ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ተዳወብቲ ወረዳታት አማሮ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕ መስርሕ ዕርቐ ሰላም ተጀሚሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወሰና ወሰን ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂን ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮን ንሰለተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን መጥቓዕትን ንምፍታሕ ትማሊ ሰሉስ ዕርቀ-ሰላም ተኻየዱ።

ዕጡቓት ሓይልታት ዝፍፅምዎ ኢሰብኣዊ መጥቓዕትታት ንምክልኻል ዘኽእል ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣቶ ኣበራ ጉኖ ገሊፆም።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣማሮ ኣቶ ተፈራ ባንዶራ ብወገኖም ንሰለስተ ዓመታት ተዓፅዩ ዝነበረ መንገዲ ኣገልግሎት ክህብ ንህዝቢ ክፉት ምዃኑ ብምግላፅ ሓይልታት ምክልኻልን ሓይልታት ፀጥታን ካብቲ ከባቢ ከምዘይልዓሉን ኣብ ክንድኡ ተወሳኺ ሓይሊ ንምእታው ነቲ ከባቢ ናይ ምፅራይ ስራሕ ብኽልቲአን ክልላዊ መንግስታት ክስራሕን እዩ ኢሎም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ክልቲኦም ወገናት ኣስታት 600 ስቪላት ከምዝተቐትሉን ብሚሊዮናት ዝግመት ሃብትን ንብረትን ምዕናውን ካብ ክልቲኦም ምምሕዳራት ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልፅ ይብል ።

XS
SM
MD
LG