ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ፍልስጤማዊያን ብዝተላዕለ ግጭት 58 ሰባት ሞይቶም


ኣሜሪካ ኤምባሲኣ ናብ ከተማ እየሩሳሌም ምግዓዛ ስዒቡ ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ፍልስጤማዊያን ትማሊ ሶኑይ ብዝተላዕለ ግጭት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 58 ፍልስጤማዊያን ምሟቶምን ካልኦት ልዕሊ ድማ 2,700 ቆሲሎም። ንምግዓዝ’ቲ ኤምባሲ ብዝምልከት ኣብ ዶብ ጋዛ ዝካየዱ ተቓውሞታት ደው ዝብሉ ኣይኮነን ክብሉ ገለ ወገናት ይገልጹ።

ትማሊ ሶኑይ ንምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ እየሩሳሌም ስዒቡ ዝተላዕለ ተቓውሞ ዘጋጠመ ግጭት ድሕሪ ናይ 2014 ዓ.ም ኩናት ምስ እስራኤል ኣብ ዶብ ጋዛ ዘጋጠመ ዝበዝሓ ሰብ ዝሞተሉ ግጭት ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ጋዛ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ወታሃደራዊ ዒላማታት ብነታጊ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ክብተኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ብመሰረት ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝመደበሩ ሃርተዝ ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሃን ሰበ ስልጣን እስራኤል እቲ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ነቲ ናይ ቀረባ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲታት ምኳኑ ይሕብሩ።

ሓደ ካብ ንግዳያት ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህቡ ካብ ዘለው ወለንተኛ አሳድ ሳልም ከምዚ ይብል።

“ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፍልስጤማዊያን ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ጭካነ ዝተመልኣ ስጉምቲ’ዩ። ከምትፈልጥዎ እዞም መንእሰያት ተቓወምቲ ብዘይ መከላከሊ’ዮም ናብቲ ቦታ መጺኦም ዕላምኦም ድማ ነቲ ናይ 1948 ዓ.ም መሬት ክምለሱ ከምዝደልዩ መልእኽቶም ንዓለም ንምፍላጥ እዩ። ኣብዚ ቦታ ኣለና ስለዚ ድማ ከም ሰብ ሞያ ሕክምናን ከም ፍልስጤማዊያን ዜጋታት ጻዕርታትና ቀጻሊ’ዩ።”

ሚንስትሪ ጥዕና ዛ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሶኑይ መጥቓዕቲ 58 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 2,400 ምቁሳሎም፡ ካብኣቶም እቶም 130 ድማ ብከቢድ ዝቆሰሉ ምኳኖም ሓቢሩ’ሎ።

ፍልስጤማዊያን “ናክባ” ማለት “መቕዘፍቲ” ብዝብል ዝጽውዕዎ ኣብ 1948 ዓ.ም. ዘጋጠመ ናይ ፍልስጤማዊያን ስደትን ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን እስራኤላዊያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምዝካር ነፍሲ ወከፍ ዓመት ግንቦት 15,1948 ነዚ መዓልቲ ይዝክሩ።

እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ተቓውሞ አካል እቲ “ናይ ምምላስ ሰልፊ” ብምባል ብቀንዲ ገዛኢ ዞባ ጋዛ ዝኾነ ጉጅለ ሓማስ ዝተጸውዓ’ዩ።

ሓማስ ንኣሜሪካን እስራኤልን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብከፊል ኮነ ብጠቕላላ ከም ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ይጥቀስ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG