ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝርርብ ተኻይዱ


ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ልምዓትን ሰላምን እዩ ኢሎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ።ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ሙሃማት ብወገኖም ዓሌታውነት፣ፅልኢ ካልኦት ዓሌትን ፍፁም ብሄራዊነትት ንናይ ዓለም ሰላም ጥራሕ ከይኮነስ ንሰብኣዊ መሰላት ስግኣት ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝርርብ ክካየድ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።ሎማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኸፍት ዘተ መደረ ዘስምዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዘይድ ራኣድ ኣል ሑሴን ኣብ ዓለም ቀንዲ መትከላት ፍትሒ፣ማዕርነትን ክብርታትን ደቂ ሰባት ኣብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ተሓቒፎም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

“ሰብኣዊ መሰላት ድሒሮም ዝርኣዩ ኣይኮኑን።ሃገራት ስራሓቲ ልምዓት ምስ ኣወንታ ዝሪእይኦ ጉዳይ ኣይኮኑ፤ሰላም ምስ ተረጋገፀ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ፕሮጀክት እውን ኣይኮኑን።ነዳዲ መሳለጢያ ልምዓት እምበር።”

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማህመት እውን ይሽርሸሩ ብዛዕባ ዘለው ሰብኣዊ መሰላትን ሳዕቤኖምን ብምግላፅ ንዓለምለኸ ስምምዓት ኣብ ምጥሓስ ዝተዋፈሩ ንናይ ዓለም ሰላም ስግኣት እዮም ኢሎም።

“እዚ ሓቂ እዚ ሓደግኡ ንናይ ዓለም ሰላም ጥራሕ ኣይኮነን።ዋጋ ሰብኣዊ ክብርታት፣ምክእኣልን ንኻልኦት ናይ ምቕባል ዕንቅፋትን ዝኸውን ሓዊሱ ሓደገኛ ፍፃመ እዩ።ዓሌትካ ንዘይኮኑ ምፅላእ፣ዘርኣውነትን ካብ ልክዕ ዝሓየለ ሃገራውነት ከምኡ እውን ምጉላህ ኣፈላላያትን መንነት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ምጉላህን ዝለዓለ ፈተናታት ኮይኖም ኣለው።”

ሎሚ ኣብ ዓለም ይርአ ዘሎ ዘርኣውንትን ኣርሒቑ ዘይርኢ ህዝበ ንዓለምለኸ ትካላት ኣዚዮም ፈተንቲ ብምዃኖምን ንሰብኣዊ መሰላት ዝዳፍኡ እዮም ኢሎም ራኢድ ኣል ሑሴን።ቤት ፅሕፈቶም ወግዓዊ ዝገበሮ ፀብፃብ ኣድልዎ ከምዘይገብር እውን ሓቢሮም።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ከምዝከታተሉን ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ታንዛኒያ፣ኣብ ካምቦዲያ ቬኔዝዌላ ሃንጋሪ ፈረንሳይን ኣሜሪካን ብዘይኣድልዎ ንነቅፍ ኢና ኢሎም።ንሕብረት ኣፍሪቃ እውን ከምዚ ክብሉ ፀዊዖም።

“ሕብረት ኣፍሪቃ ዓብዪ ሓይሊ እዩ።ንተሓጋገዝ ሓይሊ ኢና ኢለ እየ ዝኣምን።ኣብዛ ኣህጉር ጥራሕ ከይኮነስ ንመሰላት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ደው ክትብሉ እሓትት።ብትውልዶም ሚሊዮናት ኣፍሪቃዊያን ብሰንኪ ዘርኣውነት ብመዓልቱ ውርደትን ዓፈናን የጋጥሞም ኣሎ።ዘርኣነት ንቃወሞ ኢና።ፈፃሚኡ ክንዲ ድላዩ ሓይሊ ይሃልዎ ብዘየገድስ ፕረዚደንት ትራምፕ ይኹኑ፣ቀዳማይ ሚንስትር ቪክተር አርባን ወይ ካልእ ዓሌታውነት ክንቃወሞ ኢና።ብዝሓሸ ፍትሓዊ ማሕበረሰብ ዓለም ንምህናፅ ኣብ እንካይዶ ፃዕሪ ሓግዙና።”

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኖም ንሰብኣዊ መሰላት ዝግበር ቓልሲ ካብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ዘይነፃፀል እዩ ኢሎም።

ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ኮሚሽነር ዘይድ ራኢድ ኣል ሑሴን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዝተፈትሑ መራሕቲ ፖለቲካን ምስ ስቪላዊ ማሕበረሰብን ከምዝራኸቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG