ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ መንእሰይ ዝውዕል ኢንቨስትመንት ውሕስነት መፃኢ ወለዶ እዩ”መሊንዳ ጌትስን


Bill and Melinda Gates Foundation ናይ ቢሊን መሊንዳ ጌትስን ጎልኪፐርስ ሪፖርት 2018 ፀብፃቡ ኣውፂኡ’ሎ።ብዛዕባ እቲ ሪፖርት መብርሂ ዝሃባ መሊንዳ ጌትስ ኣብ መንእሰይ ዝውዕል ኢንቨስትመንት ውሕስነት መፃኢ ወለዶ እዩ ኢለን ኣለዋ።

ኣፍሪቃ ብበዝሒ መንእሰይ ወለዶ ብቕልጡፍ ትውንጨፍ ዘላ ክፍለ ዓለም እያ።ኣብ ዓለም ብድኽነት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ 10 ሃገራት እውን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።እዚ ተዃስሓይ ድርብ ክስተት ኣፍሪቃ ካብ ዓለም ዝለዓለ ቀዳምነት ክውሃባ ዝድርኽ እዩ።

The Bill and Melinda Gates Foundation ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እዋን ንቻይናን ህንድን ካብ ድኽነት ብምውፃእ ማእኸላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ክኾና ዝገበረ ኢንቨስትመንት የድልያ ይብል።ኣብ 2030 ብሕቡራት ሃገራት ዝተቐመጠ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ማለት እዩ።

“60 ሚእታዊት ኣፍሪቃዊያን ትሕቲ 24 ዓመት እዮም።”መሊንዳ ጌትስ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርኦ ናይ ቴሌፎን ቃለ ምልልስ ዓለም ኣብ ጥዕና፣ኣመጋግባን ትምህርትን ግቡእ ኢንቨስትመንት እንተመዊላ እዚ ተኣምራዊ ወለዶ ፍልጠትን ምህዞን ተጠቒሙ ንሕብረተሰቡን ሃገራቱን ከልዕል ተኽእሎ ኣለዎ ኢለን።

እቲ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ በዝሒ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኣፍሪቃ ይውንጨፍ እዩ ዘሎ።ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ብኣንፃሩ እናወረደ ይርከብ።ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ማእኸላይ ዕድመ 19 ክኸውን ከሎ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ 35 እዩ።

ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ድኻ 10 ሃገራት ቤኒን፣ብሩንዲ፣ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፣ዴሞክራሲያዊ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ማዳጋስካር፣ማላዊ፣ናይጀሪያ፣ሶማል፣ደቡብ ሱዳንን ዛምቢያን እውን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።

መሊንዳ ጌትስ ፋውንደሽነን ጠቐምቲ ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ኣብ ምስላጥ ከምዝሕግዝ ከምዚ ክብላ ይገልፃ።

“ኣብ ባይታ ምስ ብዙሓት መሻርኽቲ ኢና ንሰርሕ።ገለ ሳዕቤን ከምፅእ ዝኽል ነገር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፤ብቐንድነት ዝሰርሕዎ ግን መንግስታት እዮም፤እዚ ስራሕ ኣብ ዙሪያ ዓለም ምስ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ብምዃን ብዓሚቕ ሽርክና ኢና ንፍፅሞ።”

ኣብ ኣፍሪቃ ረድኤት ገንዘብ ካብ ዝልግሱ ትካላት ፎርድ፣ሮከፈለር፣ኮናርድ ሂልተን፣ካርነጂን ኦፕን ሶሳይቲን ብዝበለፅ ጌት ፋውንደሽን ዝዓበየ ሓገዝ ይልግስ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ጌት ፋውንደሽን ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 15 ቢሊዮን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ንኣፍሪቃ ትርጉም ኣብ ዘለዎም ፕሮጀክትታት ሓጊዙ እዩ ።ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ማለት ኣብ ጥዕና፣ትምህርትን ሕርሻን ድማ ተወሳኺ ንምሕጋዝ ቃል ኣትዩ።

ብመዳይ ጥዕና እቲ ፋውንደሽን ካብ ክታበትን ኣመጋግባን ህፃናት ክሳብ ፕሮግራማት ሓገዝ ጥዕና ይዋሳእ።ብፍላይ ግን ኣብ ምጣነ ስዳድራን HIVን ፍሉይ ኣቓልቦ ይህብ።

ብቑጠባ ይግስግሳ ዘለዋ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ብወለንትአን ናይ ወሊድ መቆፃፀር መድሓኒት ተጠቀምቲ ክኾና ኣገልግሎት የቕርባ እየን ይብላ መሊንዳ ጌትስ።

“ኩለን ሃገራት ብወለንትአን መድሓኒት መቆፃፀሪ ወሊድ ንደቂ ኣንስትዮ የቕርባ።ሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮን ኣረሓሒቖም እንተወሊዶም እቶም ቆልዑት ካብ ስድርኦም ዝሓሸ ዕድላት ይህልዎም።ኣዋልድ ትምህርተን ይከታተላ፤እንተተማሂረን ድማ ንስድርአን ብዝበለፀ ይጠቕማ።ዕድላት ስራሕ ይፈጠሩ።”

መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ውጥን ስድራ ንዝተኣሳሰሩ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ይስራዕ ብመሰረት ኣብ ጉዳያት ጥዕና ኣሜሪካ ዝነጥፍ ከይዛር ፋሚሊ ፋውንደሽን። ኣሜሪካ ኣብ 2018 ዓ.ም 608 ሚሊዮን ዶላር ሓጊዛ’ላ።ምምሕዳር ትራሞፕ ግን ኣብ ዝቕፅል ዓመት 2019 ክንኪ እዩ ኢሉ’ሎ።

እቲ ሪፖርት ሩዋንዳ ዕዉት ስርዓተ ጥዕና ብምህናፃ ንኢዱዋ’ሎ።ሞት ህፃናት ኣዚዩ ኣንቆልቂሉ።ኣብ 2005 ዓ.ም ካብ 1,000 ህፃናት 103 ይሞቱ ነይሮም ድሕሪ 10 ዓመታት ግን ናብ 50 ወሪዱ’ሎ።

ብመዳይ HIV እውን ዚምባብቤ ፅቡቕ ምዕባለ ኣመዝጊባ ኣላ።ካብ 2010 ዝርግሐ HIV ብ49 ሚእታዊት ክንኪ ከሎ ምስ AIDS ብዝተኣሳሰረ ዝበፅሕ ዝነበረ ሞት ድማ ብ45 ሚእታዊት ነኪዩ’ሎ።ይንህር ምስ ዘሎ በዝሒ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ግምት ብምእታው HIV/AIDS ንምቁፅፃር ኣብ ሕክምናን ምክልኻል ሓገዝ ክቕፅል ኣለዎ ይብል።

ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ ሽፋን ትምህርቲ ምምሕያሻት ከምዘሎ ይሕበር፤ኣብ ፅፈት ግን ክስራሕ ኣለዎ ይብላ መሊንዳ።

“ብመዳይ ትምህርቲ ቆልዑት ክምሃሩ ዓለም ቅድም ክብል ዘቐመጠቶ ሸቶ ተዓዊቱ’ሎ።እንተኾነ ግን ከምቲ ቪየትናም ዘዐወተቶ ፅፈት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ክንሰርሕ ኣለና።”

ሃገራት ኣብ ዘፈር ሕርሻ ኢንቨስት ክገብራ ኣለወን ዝበላ መለንዳ ጋና ከም ፅቡቕ ኣብነት ተጠቒሳ’ላ።ሎሚ ብዘሎ ኣፍራይነት ንኣብነት ኣብ ማሸላ ባሕሪ ዝተኻየደ ናይ ምድቓልን ናይ ሕርሻ ፈጠራን መጠን ድኽነት ጋና ኣብ 2016 ኣ/ፈ 20 ሚእታዊት ዝነበረ ኣብ 2030 ናብ ሽዱሽተ ሚእታዊት ክወርድ ትፅቢት ይግበር።

ብመሰረት ባንኪ ዓለም ዘቐመጦ መጠን መዓልታዊ እቶም 1 ዶላርን 90 ሳንቲምን ካብ 2000 ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ሰባት ካብ ሕሱም ድኽነት ወፂኦም ኣለው።

መሊንዳ ጌትስ እዚ ለውጢ መፂኡ ዘሎ ዓለም ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ፣ኣብ ጥዕና፣ኣብ ትምህርትን ሕርሻን ኢንቨስት ስለዝተገብረ እዩ ይብላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG