ዋሽንግተን —
ግሎሪ (Glory) ብዝብል ስም እትጽዋዕ ካብ ዩክሬን ዝነቐለ ዕፉን ጽዒና ዝነበረት መርከብ፡ ኣብ መትረብ ስውጽ ኣብ ዝበጽሓትሉ ብሰንበት ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኔሩ፡ ድሓር ግን ታግቦት ዝብሃላ ጎተቲ ጀለቡ ብዝገበርኦ ጻዕሪ ዳግም ክትንሳፈፍ ክኢላ'ላ። መጠናዊ ናይ ጕዕዞ ምትዕንቓፍ ፈጢራ ውዒላ። እንተዀነ ናይ ድጋፍ ጀላቡ ብዝገበረኦ ድጋፍ ዳግም ሎሚ ሰኑይ ከተንሳፍፍ ምኽኣላ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ምኽንያት ሓደጋ እታ መርከብ ዛጊት ንጹር ኣይኰንነ። ኣብቲ ከባቢ ግን ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ምግጣሙ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ መትረብ ስወጽ መራኽብ ተሰይረን መስመር ክዓጽዋ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ መጋቢት 2021 ናይ ፓናማ መርከብ ኣብቲ መትረብ ድሕሪ ምብልሻዋ ንሽዱሽተ መዓልታት ነቲ መገዲ ምዕጻዋ ይዝከር። ኣብ እዋኑ በቲ ዘጓነፈ ምዕጋት ቀረባት ሓያሎ ሃገራት ተቛሪጹ፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ናይ ኣስታት ትሽዓት ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ንግዲ ዘካይድ መትረብ ስወጽ ኣተኣጓጒሉ ነይሩ’ዩ።