ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መተማ ዝተታሕዘ ጽዕነት ሕጋዊ'ዩ ተባሂሉ


ተተኳሲን ጠያይቲን ፅዒነን ናብ ሱዳን ይሰግራ ዝነበራ ሓሙሽተ ናይ ፅዕነት መካይን ኮርፖረሽንኢንጂነሪንግ ሓፂን መፂን /ሜቴክ/ ዘፍረዮንን ብሕጋዊ ሰነድ ዝተሸጠን ምዃኑ ዳይረክተር ሜቴክ ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ሃምዛ ገሊፆም።

ምኽትል ኣማሓዳሪን ሓላፊ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ብወገኖም እተን መካይን ካብ ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ዝተወከሉ ኮ ሚቴታት ብሓባር ሕጋዊ ንብረትመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢሎም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መተማ ዝተታሓዛን ተተኳሲ ፅዒነን ዝተባህለ ምስ ተሰሓብተን ሓሙሽተ ናይፅዕነት መካይን ናይ ሓፂን መፂን ኢንጂነሪንግ ኮርፖረሽን ሜቴክ/ ዘፍረዮ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተሸጠ ምዃኑዳይረክተር ናይቲ ኮርፐረሽን ጀነራል ኣሕመድ ሃምዛ ገሊፆም።

“ረቡዕ ኣነ ባዕለይ ናብ መተማ ከይደ ተዘራሪብና።መረዳእታና ነቲ ዞባ ኣቕሪብና ተኣማሚና ኢና።እቲ ሕብረተሰብ ግንስለዝተጠራጠረ ክሪኦ ኣለኒ ኢሉ ንሕና እውን ርኣዩዎ ኢልናዮም ሪኦም ወዲኦም ኣለው።ሕጋዊ እዩ።ምስቲሕብረተሰብ እናተመያየጠሉ ከምዘሎ ደዊሎም ነጊምኒኣለው።”

ዝኾነ ይኹን ንብረት ክነቀሳቐሰ ከሎ ሓይልታት ምክልኻል ከምዝፈልጡዎን በብከባቢኡ እናተቐባበሉን እናዓጀቡንከምዘሕልፉዎ ብምግልፅ ኣብ ጎንደር መተማ ግን እቲ ሓበሬታ ዘይበፅሖ ሓደ ሰብ ነይሩ፤ መከላኸሊ ግን ይፈልጦእዩ ኢሎም።

“ናይ ሓበሬታ ክፍተት ዝፈጥሮ ነገር ኣሎ።ዘይፍለጥ ነገር ግን ኣይተነቀሳቐሰን።ኣብቲ ጫፍ ዘሎ ሓደ ሰብኣይፈለጠን፤እዚ ድማ ንኻሊእ ግዜ ምዕራይ እምበር ዝተበላሸውን ዘይሕጋውን ነገር ኣይነበረን።”

ምኽትል ኣማሓዳሪን ሓላፊ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ናይ መከላኸሊመካይን ኣርማን ታርጋን ብግሪስ ምልምጣጡን ናይ ኣገልግሎት ፓስፖርት ዘይተማልአ ምንባሩን ክፍተት ስለዝነበረናይቲ ህዝቢ ጥርጣረ ግቡእ ብምንባሩ ንክፃረ ወሲና ተፃሪዩ’ሎ ኢሎም።

ካብቲ ሕብረተሰብ፣ካብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታት ዓድን ከምኡ እውን ካብ ፍትሒ፣ግሙሩክ፣ካብምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን ዝተዋፅአ ጉጅለ ብዝገበሮ ፍተሻ ዝፀዓንኦ ብመንግስቲ ንስራሕ ዝተልኣኸን ብሕጋዊብደብዳበ ዝተሰነየ ንጎረቤት ሃገር ዝኸይድን ምዃኑ ንዝተፅሓፈ ደብዳበ ተረጋጊፁ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG