ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ደብዳብ ድሮን ተኻዪዱ፣ መንበሪ ገዛ ሰላማውያን ሰባት ኣዕንዩን ጎዲኡን


ሎሚ ዓርቢ 26 ሕዳር 2021 ኣብ ዲያስፖራ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ መቐለ ደብዳበ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተኻዪዱ። እቲ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣይተ ገዛኢ መድህን ዝተባህሉ ዜጋ ከምዘጋጠመን እቲ ገዛ ምስ ምሉእ ንብረቱ ከም ዝዓነወን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ጸብጺቡ። በቲ ደብዳብ ድሮን ዛጊት ዝሞተ ሰብ ደኣ ኣይሃይሉ እምበር፡ ካልኦት ጕድኣት ዝወረዶም ግን ንሕክምና ከም ዝተወስዱ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ’ውን ኣብ ካልእ ከባቢ ከተማ መቐለ ደብዳበ ድሮን ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ እዋኑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ’ውን ናብቲ ዳግም ኣምሳል ዝተባህለ ስፍራ ከይዱ ከም ዝተዓዘቦ፡ በቲ መጥቃዕቲ ድሮን መንበሪ ገዛ ዓንዩን ሓደ ሰብ ድማ ብዝወረዶ መጕዳእቲ ንሕክምና ምውሳዱን ሓቢሩ።

ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ መንበሪ ሰለማዊ ህዝቢ ብደሮን ከም ዝተሃርመ ኣብ ትዊተር ኣስፊሮም ኣለዉ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።

XS
SM
MD
LG