ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ደብዳበ ድሮን ተኻዪዱ፣ ንብረት ሲቪላውያን ዜጋታት ኣዕንዩ


ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ሰንበት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተፈፂሙ።

እቲ ደብዳብ ኣብታ ከተማ ዓዲሹንድሑን ኣብ ዝበሃል መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተፈፀመ ተሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ዝበፅሐ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፀሐ ጉድኣት የለን ተባሂሉ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረበን መንበሪ ገዘአን መጥቃዕቲ ዝበፅሖ ወይዘሮ ጥዑምቱ ሓድጉ ፥ ትማሊ ሰንበት 26 ሕዳር 2014 ዓመተ ምህረት ኣብ ገዘአን ቡን ምስ ስድራ እናሰተያ ኣብ እቲ ሓደ ክፍሊ እቲ ዝተተኮሰ ከምዝዓለበ ሓቢረን። በዚ ድማ ገዘአንን ንብረተንን ከምዝዓነወ ተዛሪበን።

እቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ እምበር ዝኾነ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይብሉ ድማ ወሲኸን ሓቢረን። መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ክልተ ኣባይቲ ከምዝፈረሱን ንብረቶም እውን ከም ዝዓነወ ምርኣዩ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ፀብፂቡ።

XS
SM
MD
LG