መቐለ —
ድሕሪ ዓመትን ሸውዓተ ኣዋርሕን፡ ንፈለማ እዋኑ ኣብ መቐለ፡ “ወጋገን” ዝብሃል ናይ ውልቂ ኣገልግሎት ባንክ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ባንክ ኣብ ፈለማኡ ንተገልገልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 1500 ብር ምውጻእ የፍቅድ።