ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብምባል ፖሊስ አሲርዎም ዝጸንሑ 11 ሰባት ተፈቲሖም


 ገለ ካብቶም ዝተፈትሑ ተጠርጠርቲ
ገለ ካብቶም ዝተፈትሑ ተጠርጠርቲ

ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብምባል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎም 11 ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ትማሊ ተፈቲሖም::

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ካብ መንጎ ዝተፈትሑ ተኸሰስቲ ክልተ፡ ኣብ`ቲ ልዕሊ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ማእሰርቲ ጊዜ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕማቕ ይትሓዙ ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምምራር- ቤት ፍርዲ ንዝወሰዶ ውሳነ ግን ኣመጉሶም።

ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ብቕድሚ ትማሊ ቤትፍርዲ ዝቐረቡ 11 ተጠርጠርቲ እቲ መጋባእያ 20 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣቕሪቦም ክፍትሑ ምውሳኑ ይዝከር:: ብመስረት እዚ ኩሎም ተኸሰስቲ ዋሕስ ኣቕሪቦም ትማሊ ተፈቲሖም::

ንሓደ ወርሕን ሓደ ሰሙንን ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ ዝተዛረበ ካብቶም ተኸሰስቲ ሓደ መምህር ፍቓዱ ጥላሁን ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቀፅፅር ኣብ ዘውዐለና መዓልቲ መጥቓዕቲ በፂሑና እዩ ኢሉ:: ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ምክትል ኣካቢ ኮሚቴ ውድብ ዓረና ትግራይ ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣይተ ፅጋቡ ቖባዕ ይርከብዎም:: ኣይተ ፅጋቡ ከምተዛረብዎ ኣብ ማእሰርቲ እንከለው ሕክምና ንምርካብ ተኽልኪሎም ምንባሮም ይገልጽ::

ከይዲ ፍርዲ ብምጉታት ተኸሰስቲ ተኣሲሮም ዝፀንሕሉ ግዜ ንምንዋሕ መርማሪ ፖሊስ ተኸታታሊ ቆፀሮ የትሕዝ ነይሩ ዝበሉ መምህር ፍቓዱ ቤት ፍርዲ ግና እቲ ጉዳይ መሰል ዋሕስ ከምዘውህብ ተቐቢሉ ብዋሕስ ክንወፅእ ምውሳኑ ዝነኣድ ተግባር እዩ ኢሎም::

ፖሊስ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ : ፀረ ሕገመንግስቲ ምንቅስቃስ ብምግባር: ናይ ሓሶት ወረ ብምንዛሕን መናእሰይ ብምልዕዓል ዝብሉ ክስታት እዩ ኣቅሪብሎም:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ንኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኲሓ ምክትል ኢንስፔክተር ገብረክርስቶስ ገብረመስቀል ንምርካብ ዝገብርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::

ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ግን ቅድሚ ሐጂ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ "ንከባቢና ረብሓ ዘለዎ ወፍሪ ፅርየት መናእሰይ ድሕሪ ምክያዶም ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝተንቀሳቐሱ ሰባት ብኣካላት ፀጥታ ስርዓት ክሕልዉ ተሓቲቶም ፍቃደኛ ብዘይምዃኖምን ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀጥታ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ብምንቅስቓሶም እዩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝኣተው" ምባሎም ይዝከር::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG