ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ሓደ ሚሊዮን ዝሞቱ ሓምሳ ሽሕ ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ዓለም በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ሓደ ሚሊዮን ፣ ዝሞቱ ድማ ናብ ሓምሳ ሽሕ ይፅጋዕ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣቱ ይገልፅ ኣሎ።

ኣብ መላእ ሃገር ሰባት ኣብ ገዛውቶም ተዓፂዮም ኮፍ ክብሉ ትእዛዝ ኣይህብን ዝበሉ ፕረዚዳንት ትራምፕ ካብን ናብን ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝግበር በረራ ነፈርቲ ደው ክብል ግን ይሓስቡሉ ከምዘለው ገሊፆም።

ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ልዕሊ 5,100 ኣብ ዝበፅሐሉ ከንቲባ ኣብ ኣሜሪካ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሎሳንጀለስ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ሰባት ንምዕጋት መሸፈኒ ኣንፍጫን ኣፍን /ማስክ/ ክገብሩ ፀዊዖም።

ከንቲባ ኤሪክ ጋርሰቲ ኣብ ክንዲ ሰብ ሙያ ጥዕና ዝጥቀምዎ ማስክ ካብ ጨርቂ ዝስርሕ ማስክ ክጥቀሙ ሓቲቶም። ሰበስልጣን ፈደራል ግን ዛጊት ህዝቢ ማስክ ክገብር ምኽረ ሓሳብ ኣይሃቡን ዘለው። ጋርሰቲ ብምውሳኽ ማስክ ተኸደኑ ማለት ግን ካብ ገዛውቶም ክወፅኡ ምዕዳም ማለት እውን ኣይኮነን ኢሎም።ብዘይካ ከም ምዕዳግ መግቢ ንዝኣመሰሉ ኣዚዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ሰባት ካብ ገዛውቶም ክወፁ የብሎምን ኢሎም።

ኣብ ዙሪያ ዓለም በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሓደ ሚሊዮን ክመልእ ተቐራሪቡ ኣሎ። ዝሞቱ ኸአ ኣስታት 50,000 በፂሑ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብቕፅበታዊ ምዝርጋሕ ናይቲ ቫይረስ ዓሚቕ ሻቐሎቶም ገሊፆም።ካብ ገዝኦም ከይንቀሳቐሱ ዝተኣዘዙ ድኻታትንንሽግር ዝተቓልዑን ሰባት ከጋጥሞም ዝኽእል ተወሳኺ ፀገም ብምሕባር ማሕበራዊ ውሕስነት ህዝበን ከረጋግፃ ንዘይኽእላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ክግበርፀዊዖም።

ናይ ኣሜሪካ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም/CDC/ ዝኾነ ይኹን ሰብ ምልክት ከየርኣየ ኮሮናቫይረስ ክሽከም ከምዝኽእል ትማሊ ረቡዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ሲንጋፖር ብመሰረት ዝተኻየደ መፅናዕቲ 10%ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ናይ ምሕማም ምልከት ዘየርኣዩ እዮም ኢሉ።እቲ መፅናዕቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣገዳሲ ምኳኑ ዘርጋግፅ እዩ ኢሉ።

በቲ ቫይረስ ብምልካፎም ተወሺቦም ዝርከቡ ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ብቪዲዮ ኣብዘሕለፉዎ መልእኽቲ ሃገሮም ነቲ ለበዳ ንምስዓር ሰፊሕ ምርመራ ክተካይድ እያ ኢሎም ።

ብበዝሒ ሞት ኣዚያ ዝተጎድአትን ህይወት ልዕሊ 13,000 ዜጋታታ ዝስኣነትን ጣሊያን ዝርኣዩዎ ኣፋፍኖት ምውራድ በዝሒ ሓደሽቲ ዝተትሓዙ ሰባት ተስፋ ብምግባር ሎሚ ሓሙስ እውን እቲ ኣብ ገዛ ኮፋ ናይ ምባል ትእዛዝ ኣናዊሖምዎ ኣለው።

ኣብ በልጅየም በዝሒ በቲ ቫይረስ ይትሓዙ ዘለው ወሲኹ ኣሎ።ዝተለኸፉ ልዕሊ 15,000 ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 1,000።11.4 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ በልጅየም እቲ በዝሒ ኣብ ዓለም ብበዝሒ ዝተትሓዙን ዝሞቱን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተስርዓ 10 ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና ኣላ።

ሜክሲኮ ዜጋታት ካብ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ካብ ኣሜሪካ ናብ ሜክሲኮ ከይጉዓዙ ምዒዳ ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ መላእ ሃገር ሰባት ኣብ ገዛውቶም ተዓፂዮም ኮፍ ክብሉ ትእዛዝ ኣይህብን ክብሉ ገሊፆም።ካብን ናብን ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝግበር በረራ ነፈርቲ ደው ክብል ግን ይሓስቡሉ ከምዘለው ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣሜሪካዋላ እውን ንትእዛዝ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብምትግባር ክሳብ ርብዒ ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ብኮቪድ-19ህይወቶም ክስእኑ ይኽእሉ እዮም ክብል የጠንቅቕ ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 215,000 ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 1,300 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እዮም።

ኣማሓዳር ክፍለ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኣንድሪው ኩዎም ሰባት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንዝተቐመጠ ትእዛዝ ማሕበራዊ ምፍንታት ዕሽሽ ምባሎም ጓህዮም ገሊፆም ኣለው።ሰባት ማዕረ ክንደይ ዘይግድሾም፣ ዘይሓላፍነታዊ፣ስሱስዓት ምዃኖም ዘሕዝን እዩ ክብሉ ምረቶም ገሊፆም።

ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ ጋዜጣዊ መግለፂ ፕረዚዳንት ትራምፕ ምዝውዋር ሓሽሽ ደው ንምባል ሰራዊት ኣሜሪካ ዘካይዶ ዘሎ ሓለዋ ኣብሪሆም። ኣብ ምብራቓዊ ፓሲፊክን ባሕሪ ካሪቢያንን ሓይሊ ባሕሪን ሓለወቲ ወሰንን ብመራኽብን ነፈርትን እናተሓገዙ ዘካይዱዎ ዘለው ፃዕርታት ገሊፆም።

ነጋዶን ኣዛወርትን ሓሽሽ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ኣጋጣሚ ንምጥቃም ይፍትኑ ኣለው፤ክንፈቕደሎም ግን የብልናን ኢሎም።

ትራምፕ ቅድም ክብል እቲ ቫይረስ በብእዋኑ ዝመፅእ ስሩዕ ኢንፍልዌንዛ እዩ ክብል ይግልፁዎ እንተነበሩ እውን ትማሊ ረቡዕ ግን ሓደግኡ ዝለዓለ እዩ ኢሎምዎ።

ብኻሊእ ዜና ብሰንኪ ኮቪድ-19 ካብ ዝወረደ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ብቕልጡፍ ክትወፅእ ተስፋ ገይራ ዝነበረት ቻይና ካብ ሃገት ምዕራብ ቀሪቦም ዝነበሩ ናይ ኣቑሑት ምዕዳግ ትእዛዛት ብምስራዞም ኣብ ሸቕሊ ኣልቦነት ዓብይ ተፅዕኖ ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ብዙሓት ሰባት ስርሖም ክስእኑ ይኽእሉ እዮም ይብሉ ተንተንቲ።ሒደት ዕድላት ስራሕ፣ኣስታት ትሽዓተ ሚሊዮን ሓደሽቲ ተመረቕቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ቻይና ምስ ምእታዎም እቲ ፀገም ከቢድ ይገብሮ ይብሉ።

ናይ ወፃኢ ዓደግቲ ናይ መጥባሕቲ ማስክታት ንምግዛእ እዮም ዝእዝዙ ዘለው። ኣብ ቻይና ብስንኪ እቲ ለበዳ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም ይርከቡ።

ሰራሕተኛታት ኣቑሖትም ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ይልእኹ ናይ ዝነበሩ ገሊኦም ኩባኒያታት ክሳብ ዝፅውዑ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ገዛውቶም ክፀንሑ ተኣዚዞም ኣለው። ድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ናይዞም ኩባኒያታት ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣብ ቻይና ኣብ ዝቕፅል በዝሒ ካብ ስርሖም ዝቦኹሩን ሰራሕ ዘይብሎምን ከምዝውስኽ ተንተንቲ ይትንብዩ ኣለው።

XS
SM
MD
LG