ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ድማ  ልዕሊ ሓደ ሚልየን ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ልዕሊ 36 ሚልየን ሓሊፉ-: ቁጽሪ ሞት ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ምብጽሑ ተገሊጹ።

ኣሜሪካ ብክልቲኡ ትመርሕ ኣላ- ብ7.5 ሚልየን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ 212 ሺሕ ድማ ዝሞቱን። ህንዲ ብ6.8 ሚልየን ካልአይቲ- ብራዚል ብ5 ሚልየን 3ይቲ ብምዃን ብቐዳመንት ተሰሪዓን ይርከባ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ረገነረን ዝተባህለ ትካል ባዮ-ተክኖሎጂ፥ዝሰርሖ መድሃኒት ክጸድቐሉ ናብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ኣመልኪቱ`ሎ።እቲ ትካል ነቲ መድሃኒቱ ክጸድቐሉ ዘመልክት ዘሎ- ፕረዚደንት ትራምፕ ብኮቪድ 19 ክሕከም ከሎ እቲ ንሱ ዝሰርሖ ኣንቲ-ቦዲ ተራፒ ድሕሪ ምውሃቡ`ዩ።

እቲ ትካል መድሃኒትን ክታበትን፥ ኣብዚ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ ን300,000 ኣመሪካውያን ዝኸውን ዓቐን ኣዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ-ብናጻ ዝውሃብ ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ዩ።

ብኻልእ ወገን ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ `ግልድ` ዝተባህለ ፋብሪካ መድሃኒት ተወሳኺ ኣፋውስ ንምግዛእ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ። እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም`ውን ዝጸደቐ መድሃኒት፥ ዝሓለፈ ሰሙን ንፕረዚደንት ትራምፕ`ውን ተዋሂብዎ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG