ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ልዕሊ 7 ሚልዮን ምምዝጋቡ ተገሊጹ


ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 403,000 በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ድማ ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ምብፅሖም ማእኸል ምርምር ቫይረስኮሮና ጆንስ ሃፕኪንስ ዩንቨስቲ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ብብዝሒ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 110,000 ኣብ ዓለም ቅድሚት ክትስራዕ ከላ ብሪጣንያ፣ ብራዚልን ጣሊያንን ብብዝሒ ሞት ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ይስዕባ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ብሰንኪ ሞት ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝተሳተፉ ሰባት ምርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ሰበስልጣን ይፅውዑ ኣለው።

ኣማሓዳሪ ኒውዮርክ ከምኡ'ውን መራሕቲ ከተማታት ኣትላንታ፣ሳን ፋራንሲስኮን ሲያትልን ሰባት ክምርመሩ ፀዊዖም።

ከተማ ኒውዮርክ ሎሚ ሶኑይ ፈላማይ ደረጃ ስጉምቲ ዳግማይ ምኽፋት ኣብ ዝወሰደትሉ እዋን ኣስታት 400,000 ሽሕ ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ ትፅቢት ይግበር።ሰራሕተኛታት ህንፀት፣ፋብሪካታት፣ኣከፋፈልቲ ኣቑሑ፣ከምኡ እውን ገለ ትካላት ንግዲን ናብ ስራሕ ይምለሱ ኣለው።

ኣሽሓት ናይታ ከተማ ኣብያተ መግቢ ግን እንተወሓደ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ምዕፃዎም ክቕፅል እዩ።

XS
SM
MD
LG