ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት 1.2 ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ


ብመሰረት ሓበሬታ ጆንስ ሃፕክንስ ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት 1.2 ሚልየን ሞት ሓሊፉ።

እዚኦም ኣብ ውሽጢ ዳርጋ ሓደ ዓመት ካብ መንጎ`ቶም 46.5 ሚልየን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ምዃኖም`ዮም- ።

ኣውሮጳ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ማዕበል`ቲ ቫይረስ ትኣቱ`ላ- በልጅም: ብሪጣንያ: ፈረንሳን ጀርመንን ንናህሪ`ቲ ለበዳ ምዕጋት ሓዲሽ እገዳታት ይገብራ`ለዋ- ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ንባዕሉ ተወሺቡ ከምዘሎ ትማሊ ሰንበት ተዛሪቡ`ሎ- እዚ ዝኸውን ዘሎ- ምስ ሓደ ፖስቲቭ ዝተባህለ ሰብ ርክብ ኔሩካ ተባሂሉ ምስ ተነግረ`ዩ። ዶ/ር ቴድሮስ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ- ጽቡቕ ከምዘሎን ዝኾነ ምልክት ከምዘይስምዖን ብምግላጽ፥ እንተኾነ ብመሰረት መምርሒ ወዱብ ጥዕና ዓለም ነብሱ ከም ዘግልል ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ልዑል ዊልያም ብቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተታሕዙ ሓደ ኮይኑ`ሎ።

ኣውስትራልያ፥ ሓዲሽ ሰብ ከይተታሕዛ ውዒላ። ግዝኣት ቪክቶሪያ ክሳብ 700 ንመዓልቲ በጺሓ`ኳ እንተነበረት፥ ብዝተገብረ እገዳ ካልእ ስጉምታትን ናብ ዜሮ ከምዝወረደትን እገዳታት ከም ዝተላዕለን ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG