ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 300 ሚልዮን ምምዝጋቡ ተገሊጹ


ኣብ ዓለም ብዝሒ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት 300 ሚሊዮን ሓሊፉ ኣሎ: ቀዳማይ 100 ሚሊዮን ንክበፅሕ ዝወሰደሉ ግዜ ሓደ ዓመት ክኸውን ከሎ ዓለም ኣንፃር ብዝለዓለ ቅልጣፈ ይመሓላለፍ ዘሎ ፈልቂ ኦሚክሮን ይቃለስ ኣብ ዘለሉ ሕጂ እዋን ካልእ ተወሳኺ 100 ሚሊዮን ንምምዝጋብ ዝወሰደሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ።

ሰብሙያ ሕክምና ለንደንን ሕሙማትን ብፈልቂ ኦሚክሮን ብዝኸፈአ ተሃሲዮም ኣለው።መንግስቲ 40 ዶክተራት ሓዊሱ 200 ኣባላት ሰራዊት ኣዋፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ዌስት ቨርጂኒያ እዚ ፈልቂ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ንዝርከቡ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ሰባት ራብዓይ ዶዝ ክታበት ኮቪድ19 ክፈቕደሉ ንማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ትማሊ ሓሙስ ሓቲቱ ኣሎ።

ህንዲ ሎሚ ንጉሆ ዓርቢ 117,100 ሓደሽቲ ብኮቪድ19 ዝተትሓዙ ሰባት መዝጊባ ኣላ።

XS
SM
MD
LG