ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣንጻር ጭካነ-ፖሊስን ዓሌታዊነትን ፥ ተቓውሞታት ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን፥ ጌጋ ሓበሬታ ምዝርጋሕ`ውን ብልዑል ደረጃ ምውሳኹ- ክኢላታት ይገልጹ። እቲ ዕላማ ድማ ፡ማሕበራዊ ጥምረት ንምድኻምን፥ ጭቡጥ ክውንነት ከምዘየለ ሰባት ከምዝኣምኑ ንምግባርን`ዩ ።
ማሪያም ጋጎሻቪል ካብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ምስ ኢሚግራንት መሓዙኣ ክትዘራረብ ከላ፥ ካብ መንጎ`ቶም ኣንጻር ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ-ገሊኦም ኣብ ጎንጽን ዘረፋን ከተኩሩ ተራእዮም-ኣብ ክንዲ ብዛዕባ`ቲ ናብቲ ተቓውሞ ዘበገሰ ትራጀዲ ምዝርራብ ትብል።
ነዚ ንምቅላስ ድማ ካብ ኤውሮጳን እስያን ዝመጹ ስደተኛትት ብዛዕባ ማሕበራውን ዓሌታውን ፍትሒ ዝዘራረብሉ ሓደ ናይ ፈይስቡክ ጉጅለ ከፊታ። ተሳተፍቲ ምስቲ ኣብ ሃገራቶም ዘሕለፍዎ ተሞክሮታት ብምትእስሳር ድማ፥ ነቲ ኣፍሪቃዊያን ኣሜሪካዊያን ዘሕለፍዎ ናይ ዘመናት ባርነት፥ መቕተልትን ማሕነቕትን፥ ከምኡ`ውን ጭካነ ፖሊስ ኣልዒሎም ይመያየጡ።
እዚ ማሕበራውን ዓሌታውን ፍትሒ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዒላማ ወፍሪ ምድንጋር ሓበሬታ ክኸውን ተራእዩ`ሎ። ዕላምኡ ድማ ናይ ሓሶት ወረን ሜላታት ምትላልን ተጠቒምካ ዓሌታዊነትን ወገናውነት ከም ዝልዕዓል ምግባር`ዩ።
ሓደ ኣብነት፡ ብትዊተር ዝተላእከ #DCblackout ዝብል መልእኽቲ፥ ሰበ-ስልጣን እቲ ተቓውሞ ሰልፍታት ከይጽብጸብ፥ ንሲግናላት ተንቀሳቓሲ ተለፎንን ካልኦት መሳርሕታትን ሓበረታን ዓጽዮሞ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ነዚሖም።
ካብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱት ኣለክስ ኤንገር፥ እቲ DC BLACKOUT ዝብል ጎስጓስን ካልኦት ፕሮፓጋንዳዊ ጎስጓሳትን ዝፍትኖ ዝነበረ ስራሕ ናይ ወጻኢ ጽልዋ ከምዘሎን ኣብ መንጎ ኣመሪካውያንን ጸግዒ ዝሓዙ ጉዳያትን ክፍተት ንምፍጣር ዝዓለመ`ዩ ይብል።
ፓትሪክ ዋረን ዝተባህለ ክኢላ ካብ ክለምሰን ዩኒቨርሲቲእቲ ዕላማ፥ ሰባት ሓቅን ሓሶትን ንምፍላይ መታን ከጸግሞም ንምድንጋር`ዩ ይብል ። ከምኡ ዝበሉ መደናገርቲ ዜናታት ብፍላይ ኣብ ከም ክታበትን ለበዳ ኮቪድ-19ን ዘምጽኦ ሓደጋ ድማ ልዑል ምዃኑ ዋረን ይገልጽ።
ንሱ ኣስዒቡ ንሕና ሰባት ደረጃ ዝርግሐ ኮቪድ -19 ብጭቡጥ ስለዘይንፈልጦ- ንምርባሕ ናይ ሓሶት ሓበረታ ጥጡሕ ባይታ`ዩ ዝፈጥር ይብል ።
መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያታት ንከምኡ ዓይነት ናይ ሓሶት ዝርግሐ ይቃልስዎ`ኳ እንተለዉ-፥ ኣብ ከምዚ ክካየድ ዝቐነየ ሰፋሕቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ግን፥ ገና ምርኣዮም ኣይተረፈን። ካብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱት ኣለክስ ኤንገር እቲ ናይ ቁጥዐ ናህሪ ንከምኡ ዓይነት ሓሶት ባይታ ክህብ ዝኽእል ዕድል ከምዘሎ ይገልጽ።
“ኣብ ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ምግባር እንተሊኻ፥ ብርዱእ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ጭካነ ፖሊስ ሓሪቕካ ኣለኻ- ብፍላይ ድሕሪ`ቲ ግጭት ምስ ፖሊስ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ ኣብ ተስምዓሉ እዋን፥ መንግስቲ ንኹሉ መራኸብታት ከም ምዕጻው ዝበለ ናብ ጫፍ ዝኸደ ስጉምቲ ክወስድ `ዩ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ንክትኣምን ትኽእል ኢኻ" ይብል።
ክልቲኦም ክኢላታት ከምዝብልዎ፥ መደናገሪ ሓበሬታ ክተጥፍእ ኣይክኣልን`ዩ- ግን ክትቃለሶን ክተመሓድሮን ከለኻ ይሕግዝ`ዩ።
ሰባት ከምኡ ዓይነት ሓበሬታ ክመጾም ከሎ፡ ካብ ምድንጋር መታን ክድሕኑ ካብ ናይ ባዕሎም ስምዒት ውጽእ ኢሎም፥ ሓንሳብ ደው ኢሎም ሓሲቦም፥ ዘንብብዎ ዘለዉ ክግምግሙ ክኢላታት ይመኽሩ።