ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሕ/ሃ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይዱ ኣለው


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ ምስ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ ምስ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ፣ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት ጀሚሮም ኣለው።

ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ኣብ መፈለምታ እዋን መዝነቶም ብሰንኪ ውግእ ሰብኣዊ ጠለባት ኣብ ዝበርተዐሉ ክልላት ትግራይን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዘሎ ጠቂሶም።

ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ሶማሌ፣ ህዝቢታት ደቡብ፣ ደርቂ ዝተራኣየሉ ዞባ ሶማሌ፣ ኦሮምያን ዓፋርን ከምዝኾነ’ውን ሓቢሮም።

እዚ ተርእዮ ተራእዩ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ ውሕጅ፣ ኣንበጣ በረኻ፣ ከቢድ ሕጽረት መግቢን ለበዳ ኮቪድ 19 ከምዝኾነ’ውን ኣይከወሉን።

ኣብ መላእ’ታ ሃገር፣ ሰብኣዊ ቀረባት ንምድንፋዕ ዘለዎም ተስፋ ንምጉላህ ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ሃናጺ ልዝብ ከምዝገብሩ’ውን ጠቂሶም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሓላፊት ጉዳያት ህንጸት ሰላምን ፖለቲካዊን ሕቡራት ሃገራት ሮዝመሪ ዲ ካርሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት መገሻ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ሳህሌወርቅ ዘውዴ’ውን ከምዝተዘራረባ ተገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ደቂንስትዮ፣ መናእሰይን ሲቪል ማሕበረሰብን ብምሕያል፣ ሕቡራት ሃገራት ዘበርክቶ ተራ ከምዝዘተዩ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ።

ሮዝመሪ ዲ ካርሎ ምስ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን፣ ምስ ሚኒስትር ሰላም ሙፈርያት ካሚል፣ ምስ ምክትል ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሞኒክ ንዛባጋንዋን ካልኦትን ተዘራሪበን።

ንሰን ናብ ሱዳን ምስ ኣተዋ ምስ ቀ/ሚ ዓብደላ ሃምዶክ ተራኺበን እየን።

XS
SM
MD
LG