ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሓደ ዕዳጋ ከተማ ናይሮቢ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 15 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዕዳጋ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 15 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 70 ምቁሳሎምን ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ብጊኮምባ ዝፍለጥ ዕዳጋ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንተአተወ ሰበ ስልጣን ግን ሰባት ካብቲ ባርዕ ብዝወጸ ትኪ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ክህልው ከምዝክእሉ ይገልጹ ኣለው።

ናይታ ከተማ ፖሊስ ኮማንደር ኬንጊተ ቴኩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ተባራዒ ነገራት ሻቕሎት ከምዝፈጠረሎም ይገልጹ።

ኣብ ሓደ ዕዳጋ ከተማ ናይሮቢ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 15 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:19 0:00

“15 ኬንያዊያን በቲ ባርዕ ሓዊ ስኢና ኢና። ሓሙሽተ ሬሳኦም ዝተረኽበ ኽከውን ከሎ ትሸዓተ ግን ኣብቲ ፈርስራፍ ተቐቢሩ እዩ ዘሎ ነዞም ሬሳታት ዘየውጻእናሉ ምክንያት ድማ ኣብቲ ህንጻ ገና ተባራዒ ጋዛት ብምህላዎም ውሕስነት እቲ ቦታ መጀመርያ ከነረጋግጽ እዩ። ድሕሪኡ ህይወት አድሕን አካላት ናብቲ ህንጻ ብምእታው ስርሖም ክሰርሑ እዮም። ክሳብ ሕጂ 70 ሰባት ጉድኣት ዝበጽሖም ከምዘለውን ኣብ ኬንያታ ሃገራዊ ሆስፒታል ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም አሎ” ኢሎም።

ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምጽራይ መርመራ ይካየድ እንተሎ ገለ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ግን ዋርድያ ብዝወልዖ ሓዊ ከምዝተፈጥረ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG