ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆቴላት ናይሮቢ ተኹሲን ድምጺ ነትጒ ምስምዑ ተገሊጹ


ብረት ዝሓዙ ሰባት፡ ኣብ ኬንያ ንሓደ ዘመናዊ ሆቴልን ህንጻ ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣጥቂዖም- ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ወሪዱ`ሎ።

ሎሚ ሰሉስ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ዕጡቓት ኣብ ዱሲት ዲ2 ዝተባህለ ሆቴል ናይሮቢ ተኹሲ ከፊቶም።ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እንተወሓደ ሓደ ፍንጀራ`ውን ሰሚዕና ኢሎም ።

ትካላት ዜና ኬንያ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ይብላ`ለዋ። ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ናይ ሶማል ጥሩፋዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ። ጽንሕ ኢሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ድማ፡ ኣብ`ቲ ቦታ መሪር ግጥም ቀጺሉ ከምዘሎ ይገልጽ።

ንሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ሶማል ሓሩን ማዕሩፍ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ሶማል ዝነበረ ዱራን ፋራሕ፡ ንሱ ምስ ብጾቱ ናብቲ ሆቴል ክኣትዉ ክብሉ፡ ተኹስን ፍንጀራን ከምዝተቐበሎምን ብሓደ ሸነኽ ከም ዝሃደሙን ገሊጹ`ሎ።

ፋራሕ ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ዝቖሰሉ ከምዝርኣየን፡ እቶም ዕጡቓት ገና ኣብ`ቲ ህንጻ ኣለዉ ኢሉ ከምዝኣምንን ተዛሪቡ።

ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኬንያ ኤሪክ ኪራተ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ህናጻ ይፍትሽዎ ከምዘለዉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ንሱ ምስ ቪኦኤ ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ “ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ይኹን ካልእ፡ ትካላት ጸጥታ መርሚሮም ዝርዝር ሓበረታ ክህቡሉ`ዮም” ኢሉ ።

ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆቴላት ናይሮቢ ተኹሲን ድምጺ ነትጒ ምስምዑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:09 0:00

ብኣሶሾይትድ ፕረስ ዝተፈነወ ቀጥታ ቪድዮ፡ ኣብ ኣፍደገ `ቲ ሆቴል መካይን ክነዳን ሰባት ካብ`ቲ ሆቴል ክሃድሙን፡ ወተሃደራት ድማ ናብ`ቲ ህንጻ ክኣትዉን የርኢ ኔሩ።

እዚ ናይ ናይሮቢ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሓደ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ንሰለስተ ተጠርጠርቲ በቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ናይ ናይሮቢ ወስትገይት ሞል ዝተባህለ ዘመናዊ ዕዳጋ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽሳሱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ`ዩ።

በቲ ሽዕኡ ማለት ኣብ 2013 ብኣልሸባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 67 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG