No media source currently available
ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ሎሚ መጥቓዕቲ ነትጒን ተኹሲን ከምዝተሰምዐ ተገሊጹ። ኣብቲ ‘ደሲትዲ 2’ ዝተባህለ ሆቴል ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ዝበጽሓ ጉድኣት ክሳብ ሕጂ ብርግጽ እንተዘይተፈልጠ’ዃ ኣብ ሶማል ዝመደበሩ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል ሸባብ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ከምዝወሰደ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ምዝግሑ ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ይሕብር።