ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሓምላይ ወፍሪ ዘድሃበ ቅብኣታት ኣብ ምስራሕ ዝነጥፈ መምህርን ስነጥበባውን


መምህር ሃብተወልድ ምስግና ጎኒ ጎኒ ቀንዲ ሞይኡ ኣብ ሓምላይ ወፍሪ ዘተኮሩ መሃርትን ጎስጎስትን ቅብኣታት ኣብ ምስኣል ዝነጥፍ ዘሎ ስነጥበባዊ’ዩ።ኣብ ሞያ ምምህርና እናሰርሐ ንቅብኣ ብተመኩሮ ከምዘማዕበሎ ዝዛረብ መም/ሃብተወልድ፡ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ(ሳዋ)ከም ሓላፊ ጉዳያት ተማሃሮ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ዓመታት፡ ነቲ ካብ ቁልዕነቱ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ፍቕሪ ተፈጥሮ ብመልክዕ ቅብኣ ክገልጾ ከምዝጀመረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ብዝፈጠረሉ ዕድል ፡ኣብ 2019 ኣብ ህንዲ ከተማ ኒውደልሂ ኣብ ዝተካየደ ኣብ ምምካት ደርቅን ምድረ በዳነትን 35 ቅብኣታቱ ከቕርብ ከምዝኸኣላ ዝገለጸ መምህር ሃብተወልድ ብተዓዘብቲ ዓቢ ኣድናቖትን ሸፈነን ከምዝረኸበን ሓንቲ ካብ ቅብኣታቱ’ውን ኣብ ቦን፡ጀርመን ተሰቒላ ከምዘላ ብሓበን ይዛረብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።



XS
SM
MD
LG