ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ኣብ ልዝብ ሰላም ዩክሬን ዝተበጽሓ ሓድሽ ነገር የለን ክትብል ኣፍሊጣ


ልዝብ ሰላም ዩክሬን ሩስያን ኣብ ኢስታንቡል
ልዝብ ሰላም ዩክሬን ሩስያን ኣብ ኢስታንቡል

ሩስያ ኣብቲ ምስ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ልዝብ ሰላም ዛጊት ዝተበጽሐ ሓዲሽ ነገር የለን ኢላ።

ዩክሬን ናብቲ ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ፡ ጠለባታ ብጽሑፍ ዘቕረበት ክትከውን ከላ፡ ገለ ካብቲ ዝቐረበ ዩክሬን ምስ ኔቶ ኮነ ምስ ካልኦት ከይተጸንበረት ዘይሻራዊት ኮይና ክትጸንሕ ፍቓደኛ`ያ ዝብል ይርከቦ።

ወሃቢ ቓል ሩስያ ግን፡ ዩክሬን ጠለባታ ብጽሑፍ ምቕራባ ዘሐጎሶ`ኳ እንተኾነ፡ ነገር ግን ናብ መወዳእታ ስምምዕ ዝወስድ ሓዲሽ ነገር ኣይረኣናን ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG