ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሶማል ዝቐረበ ክሲ ተሰሪዙ


ፋይል
ፋይል

አባላት ፓርላማ ሶማል ብሰንበት ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዲላሂ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝብል ናብ ፓርላማ’ታ ሃገር ዘቕረብዎ ክሲ እኹል ድምጺ ብዘይምርካቡ ሎሚ ሶሉስ ከምዝተሰረዘ ጸሓፊ ፓርላማ ዓብደልከሪም ሓጂ ዓብዲ ቡሃ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

“ 14 አባላት ፓርላማ ኣስማቶም ብጌጋ ኣብ ስም ዝርዝር ነቲ ክሲ ከምዝቐረበ ዝሕብር መግለጺ በጺሑና አሎ”ዝበሉ ጸሓፊ ፓርላማ ዓብደልከሪም ሓጂ ዓብዲ ቡሃ “እቶም አባላት ፓርላማ ዘቕረብዎ ክሲ ኣይሰሓብዎን እንተኾነ ኣስማቶም ዝተዘርዘረ ኩላቶም ነቲ ሰነድ ከምዘይፈረሙ ግን ኣረጋጊጾም ኣለው” ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሶማል ዝቐረበ ክሲ ተሰሪዙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:40 0:00

ስለዝኾነ ድማ ቁጽሪ’ቶም ነዚ ክሲ ዘቕረቡ አባላት ፓርላማ ካብ 92 ናብ 78 ምውራዱን እዚ ድማ ነቲ ክሲ ብፓርላማ’ታ ሃገር ክረአ ዘድልዮም ድምጺ ከምዘይረኸበ ጸሓፊ ፓርላማ ዓብድልከሪም ሓጂ አብዲ ቡሃ ወሲኾም ኣረዲኦም ኣለው።

ብመሰረት ቅዋም’ታ ሃገር ክሲ ብፓርላማ’ታ ሃገር ክረአ ድምጺ 92 አባላት ፓርላማ ክረክብ ኣለዎ። ዝቐረበ ክሲ ተግባራዊ ክከውን ደገፍ ክልተ ሲሶ ካብ 275 አባላት ፓርላማ ክረክብ አለዎ።

እቲ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ዝቐረበሎም ሕሲ ንቅዋም’ታ ሃገር ብምጥሓስ ምስ መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ምስጢራዊ ስምምዕ የካይዱ ኣለው ዝብል እዩ።

እቲ ክሲ ዝቐረበ ፕረዚደንት ፎርማጆ ኣብ ጉዳይ ምሕያል ቁጠባዊ ዝምድና ንምዝታይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርካብም እዩ።

XS
SM
MD
LG