ብደብዳብ ከቢድ-ብረት ራዕዲ ዝኣተዎም፡ ካብ ስድራቤቶም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ሓዊ ዝተፍእ ቃጸሎ መሬት ብእግሮም ክምርሹ ይረኣዩ። እቲ ትርኢት ኲናት ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ልሙድ እናዀነ ክመጽእ ጸኒሑ።
ሕጂ ድማ በራሕለ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተወላዶ ዓፋር ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተደጊሙ። ብኣገላልጻ እቶም ስደተኛታት እቲ ምሕረት-ኣልቦ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸመ’ዩ።
ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ቍጽረን ዘይተፈልጣ ደቀንስትዮ ድማ ተጨውየን። እቶም ንኸምልጡ ዕድል ዝረኸቡ ድማ ኣበየ ቦታታት ክልል ዓፋር፡ መጻኢኦም ኣብ ዘይፍለጠሉ ነብሶም ንምድሓን ይሃድሙ ኣለዉ።
እታ ውሕስቲ መዕቆቢት ዝነበረት ኢትዮጵያ ሎሚ ከም ቀደማ ኣይኰነትን።
ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ በበይኑ መጥቃዕታት ክዀኑ ደኣ ይጽንሑ እምበር፡ እዚ ናይ ክልል ዓፋርን ንተወላዶ ብሄረ ዓፋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግን ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ። እቲ ፍጻመ ግን ሰንኮፍ ኣተሓሕዛን ስእነት ጸጥታን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ተቓለስቲ ትግራይን ዘርኢ ምዃኑ ተንተንቲ የመልክቱ።
ኣብ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ዝዀነት ሳራ ሚለር፡ “እዚ ሓደ መርኣያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ኣዋርሕ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝጸንሐ መጥቃዕቲ’ዩ። ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ውሕስቲ ከም ዘይኰነት ድማ እኹል ጭብጢ ኣሎ፡” ትብል።
ድሕሪ ምዝዛም ዶባዊ ኲናት ክልተ ሃገራት፡ ካብ 2000 ዓመተ-ምህረት ኣትሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ዝጀመሩ ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ኲናት ኢትዮጵያ ምውላዑ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣስታት 113-ሽሕ ነይሮም። መብዛሕትኦም ካብቲ ጨቋኒ ምልኪ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሃደሙ’ዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝመጸ ለውጢን ምውላዕ ኲናት ትግራይን ድማ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ፡ ብዅላቶም ኣካላት፡ ግዳይ መጭወይቲ፡ ቅትለት፡ ዓመጽን ኰይኖም። ከም ጸብጻብ ትካል ተሓላቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብወተሃደራት ኤርትራን ተቓለስቲ ትግራይን ዝወረደ ግፍዒ ምስ “ገበናት ኣንጻር ኲናት” ክጽብጸብ ዝኽእል’ዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ቦታ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ክልተ ካብተን መዓስከር ስደተኛታት ክምድሰሳ እንከለዋ፡ ኣሽሓት ድማ ደሃይ የብሎምን።
ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ፡ እቶም ኣብተን ክልተ መዓስከራት ዘለዉ’ውን ካብ መሰረታዊ ቀረባት ተበቲኾም፡ ንሰፊሕ ስቓይ ተቓሊዖም ይርከቡ። ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ሰለስተ ካብቶም ስደተኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተተኰሰ ድሮን ተቐቲሎም።
እቲ ንተኽእሎታት ሰላም ንድሕሪት ዝመልስ ተባሂሉ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለ ብ3 ለካቲት’ዩ ጀሚሩ።
ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደመ ስደተኛ“ቦምባ ከቢድ ብረት ናብቲ መዓስከር ክዓልብ ጀሚሩ። ሓይልታት ትግራይ ነቲ መዓስከር ካብ ዝተቖጻጸሩሉ እዋን ኣትሒዞም ድማ ዝምታን ራስያን ጀሚሮም፡” ይብል ።
ካልእ፡ ካብ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ወዳን ንዕልታን ዝተፈልየት ሰበይቲ ድማ ደቀንስትዮ ጨውዮም ከም ዝወሰዱን ኣበይ ከም ዘለዋ ደሃይ ከም ዘይብሎምን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢራ።
ኣማኢት ስደተኛታት፡ ኣግዳ ሆቴል ኣብ ዝብሃል፡ ኣብ ከተማ ሰመራ ዝርከብ ስፍራ’ዮም ነብሶም ከዕቆቡ ሃዲሞም። ኣብኡ ንሰለስተ መዓልታት ብዘይ መግቢ ማይን ከም ዝጸንሑ ድማ ዓብዱ ኣሕመድ ዝተባህለ ዜጋ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ወሃብ-ቃል ክልል ትግራይ ግን ነቲ ክሲ “መሰረት-ኣልቦ” ክብል ይነጽጎ።
ኣብ መዓስከር በራሕለ ዝተዓቝቡ ኣስታት 34-ሽሕ ስደተኛታት ደኣ ይንበሩ እምበር፡ ሕጂ ግን 14,250 ጥራይ ምርካቦም ወሃብ-ቃል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሰመራ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ “ሰርዶ” ዝተባህለ ቦታ ከጣይሶም መደብ ሒዙ ኣሎ። ከምዚኣቶም ንዝመስሉ ናይ ምግዓዝ መደባት ግን ዛጊት ልኡም ግብረ-መልሲ’ዩ ጸኒሑ።
እቶም ክግዕዙ ዝዳለዉ ዘለዉ ስደተኛታት በቲ ዝወረደ ግፍዒ፡ ልቦም ሰንቢሩ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ኣብ መጻኢኦም ግን ውሳነ የብሎምን።
“ኣምላኽ ንስድራይን ገዛይን እንተ ወሲዱለይ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ክቕበሎ ደኣ’ምበር ካብ ካልእ ዝሓቶ የሎን፡” ትብል ሓሊማ ከዲር። ሓሊማ፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ደሃይ ሓደ ካብ ሽሞንተ ደቃ ጥራይ’ያ ረኺባ።
ከም ኣገላልጻ ሳራ ሚለር ካብ ረፉጁስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ ኣብነት ናይ ኣብ እዋን ኲናት ዝርአ ጸገም ኣተኣላልያ ስደተኛታት’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ኣበሳታት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ነብሱ ክመሓሰብ ከም ዘገድዶ ድማ ትምጕት። ሳራ “ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝከላኸል የብሎምን። ውሕስነቶም ከነረጋግጽ ድማ ግዴታና’ዩ፡” ትብል።