ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ይፍጸም ምህላው ተገሊጹ


ፋይል፡ መዓስከር ስደተኛታት ህጻጽ
ፋይል፡ መዓስከር ስደተኛታት ህጻጽ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ይፍጸም ምህላው፡ ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ኣራ፡ በኣካል ንጉሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብ ምጅማር ኩናት፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ክልተ መዓስከራት ጉድኣት ኣውሪዱ፡ ዝተዓጽዋ ክኾና ኸለዋ፡ ሕጂ`ውን ኣብ ልዕሊ ዝተበተኑ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ይፈጸም ከምዘሎ ሓበረታ ኣለና ኢሉ። እቲ ትካል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንጸገማት`ቶም ስደተኛታት ኣብ ምቕራፍ ሓላፍነቱ ክፍጽም`ዩ ጸዊዑ`ሎ።

ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ`ሎ። ምስ`ዚ ብዝትሓሓዝ ካብ ህወሓት ዝተባህለ ነገር የለን።

ብኻልእ ወገን ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት- (ዩኤንኤችሲኣር)፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘሎ ኩነታት ብቕልጡፍ እናሓመቐ ይኸይድ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ሞት ሓደ ስደተኛ ተራጋጊጹ`ሎ- ማእሰርቲ-መውቃዕትን ዝምታን ከምዘሎ`ውን ዝእመን ጸብጻባት ኣሎ ኢሉ`ሎ።

ዝርዝር ጸብጻብ ጽባሕ ከቐርብ ዩ።

XS
SM
MD
LG