ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዝካየድ መጥቓዕቲ ደው ይበል ዝብል ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተካይዱ


ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ደብረማርቆስ፣ጎንደር፣ፍኖተ ሰላም፣ደብረታቦርን ካልኦት ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ዕላማ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ደው ይበል፣ናይ ፊደራል ኮነ ናይ ክልል መንግስታት ሸለልትነት የብቅዕ ዝብልን ካልእን ምዃኑ ኣተሓባበርቲ ሰልፊ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ዳዌ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ጉሙዝ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ከቢድ ቅትለት ፈፂሞም ክብል ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ገሊፁ።

እቲ ቕትለት ዝተፈፀመሉ ዕለት ኣፃሪዮም ከምዘፍልጡ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ ኣበራ ባይታ ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ከምዚ ኢሎም።

“ብዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ቁፅሮም ክንድዚ ኢልካ ንምግላፅ ክሳብ ዘፀግም ብጅምላ እዮም ተጨፊጪፎም።ኣብ ሓደ መዓልቲ እዩ ተፈፂሙ።ብርክት ዝበለ ሰብ እዩ ተጨፍጪፉ።ብጅምላ’ዮም ተቐቢሮም።”

ኣቶ ኣበራ ብተወሳኺ ብ22 መኻይን ዝመፁ ዕጡቓት ብሓይልታት ምክልኻል ተለሚኖም ንድሕሪት ምስ ተመልሱ ንፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ ዝውዕል ተኽሊ ቃንጫ ሽኮር ኣቃፂሎም ኢሎም ።

“ብሰራዊት ምክልኻል ተለሚኖም ተመለሱ ምስተብሃሉን ካልኦት ዝርርባት እውን ምስተኻየዱን ብስምዒትን ሕርቓንን ተደፋፊኦም ናይ ፕሮጀክት ፋብሪካ ጣና በለስ ዝኾነ ናይ ቓንጫ ሽኮር ሕርሻ ሓዊ ከምዝሰደድሉ እውን ሓበሬታ’ሎ።”

ንሶም ቀጺሎም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከባቢታት ዳንጉርን ማምቡክን ግልግል በለስን ኣብ ገለ ወረዳታት ዝነበሩ ግጭታትን ደው ከምዝበለን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጃዊ እውን ሓይልታት ምክልኻል ብምእታዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ግጭት ደው ኢሉ’ሎ ኢሎም።ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናይ ምይይጥ መደረኻት እውን ይካየዱ ኣለው ኢሎም።

ቅድሚ ኢሉ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ናይቲ ክልል ዋና ኣማሓዳሪ ሓዊሱ ፈቖዶ ጣቢያታት እናዞሩ ነቲ ህዝቢ እናረጋግኡ ኣብዝርከብሉ እዋን ናይ ጅምላ ዝመስል ቕትለት ምፍፃሙ ኢሰብኣዊን ክውገዝ ዘለዎን ተግባር ስለዝኾነ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ይኹን ፌደራል መንግስቲ ፈጸምቲ'ዚ መጥቓዕቲ ናብ ሕጊ ከቕርቡዎም ድፍኢት ክንገብር ኢና ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ክልል ኣምሓራ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG