ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:10 0:00

ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ሞይቶም

ሰበ ስልጣን ሊብያ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ምሟቶም ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ርእሰ ቕትለታዊ ከምዝነበረን እቶም ካል ኦት ድማ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ብምእታው ነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙ ተገሊጹ’ሎ።

ዳዒሽ ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

ሊብያ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ኣ መሃመድ ጋዳፊ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ስልጣን ካብ ዝዕለይ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ዕግርግር ይቕጽል ከምዘሎን ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ሃገር ኣብ መንጎ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለ ዝድገፉ ተቓወምቲ መንግስቲ ተከፋፊላ ከምዘላ ይፍለጥ።

እቲ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ዝረኸበ መሪሕነት ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ዋና ከተማ ትሪፖሊ ተደኹኑ ይርኸብ።

እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይርጉጽ ኩነታት ንዝተፈላለዩ ግብረ ሽበራዊያን ጉጅለታት ማዕጾ ምክፋቱ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG