ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፈተነ ቕትለት ምክያዱ ተገሊጹ


ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ሎሚ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ፈተነ ቕትለት ከምዝተኻየደሎም ተገሊጹ።

ቀ/ሚ ሓምዶክ ናብ ቤት ጽሕፈቶም የምርሑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መጥቓዕቲ ነታጊ ፈተነ ቕትለት ከምዘጋጠሞም ቴሌቭዥን ሱዳን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ዝወሰደ አካል የለን።

ቴሌቭዥን ሱዳን ኣብ ዝዘግሖ ሓበሬታ ክልተ መካይን በቲ መጥቓዕቲ ምዕናወን የርእይ፡ ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ሓምዶክ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለ’ውን ኣፈሊጡ’ሎ።

ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ንናይ ኣስታት 30 ዓመታት መራሒ ዑመር ኣል በሽር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ መዝነቱ ምስ ተአልዩ ናብ መዝነት ምምጽኦም ይፍለጥ።ይኹን ደአ እምበር ፍርቂ ካብ አባላት ካቢነ ሓድሽ ዝተመስረተ መንግስቲ ሱዳን አባላት ወታሃደራዊ መሪሕነት ዝቐደመ መሪሕነት ብምዃኖም ምርግጋእ’ቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ከምዘረክብዎ ምሕባሩ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG