ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ሓደ ቆልዓ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት መዘራረቢ ኮይኑ


ፋይል
ፋይል

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ዝቀነየ ሓደ ቪድዮ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዳን ዝለበሱ ወትሃደራት፣ ንሓደ ትግራዋይ እዩ እናበሉ ዝገልጽዎ ቆልዓ እናጋፍዑን ተኹሶም እናቀተሉን ዘርእይ ክስተት የጻርዮ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቆመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዩኒፎርም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝለበሱ ዕጡቃት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቆልዓ ንዝፈጸምዎ ግፍዒን ቅትለትን ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ነቲ ቆልዓ፣ ብዳርባ እምኒ እናቀጥቀጡ፣ እናጸረፉን እናሃረሙን ደም ብደም ከምዝገበርዎን፣ ኣብ መወዳትኡ ተኺሶም ከምዝቀተልዎን የርኢ።

ኣብ ክዳውንቲ’ቶም ፈጸምቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝብል ኣርማን ጽሑፍን ይራኣይ። እንተኾነ ሮይተርስ ንመንነት’ቶም ገፋዕቲ ብደረጃ ውልቀ ከረጋግጽ ኣይካኣለን።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣዝዩ ኣጨናቒ ፍጻመ፣ መርተዖታት ንእክብ ኣለና" ከምዝበሉ እቲ ዜና ይገልጽ።

ሮይተርስ ካብ ሚንስትሪ ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉን፣ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፈተነታት ኣይሰለጠን ይብል ። ዝሓለፈ መጋቢት ሪፖርት ዘውጸአ እቲ ኮምሽን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተካየደ ውግእ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት፣ መግሃስቲ ፈጺሞም እዮም ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

ኣብ’ቲ ሎም ቅነ ዝተቀረጸ ቪድዮ እቶም ወትሃደራት፣ ነቲ ቆልዓ ካብ ዓብዪ ዓዲ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ካልእ ድምጺ ድማ "ነቲ ቆልዓ ኣይትቅተልዎ፣ ይሳቀ" ምስ በለ፣ ወሲኹ "ሕጂ ክዛረብ ኣይኽእልን፣ ካብኡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንረክብ ይግባኣና ነይሩ" ይብል።

ካልእ ወትሃደር ኣስዒቡ "ብህይወቱ እንከሎ ክንቀብሮ ይግባኣና ነይሩ" እናበለ ኣብ’ቲ ቪድዮ ተቀሪጹ ኣሎ። ካልእ ሰብኣይ እምኒ ኣልዕሉ ንሓንቲ ንእስቲ ቆልዓ ከቅብልን ኣብ ልዕሊ’ቲ ትግራዋይ ንክትድርብይን ከምዝገበረ፣ እቶም ገፋዕቲ፣ ናይ ባንኪ ቼክ ናብ ኣፍ’ቲ ብሰንኪ ሕሱም ማህረምቲ ኣብ ርእሱ ደምዩን ወዱቁን ዝነበረ ቆልዓ እናወተፍሉ ከለው ኣብ ቪድዮ ከምዝተቀረጸ ሪፖርት ሮይተርስ ይሕብር።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ግፍዒን እቲ ቪድዮን መዓስን ኣበይን ከምዝተፈጸመን ከምዝተቀረጸን ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን ይብል።

XS
SM
MD
LG