ዋሽንግተን —
ኣብ ሊባኖስ፥ ሓዲሽ መንግስቲ ብዝቐልጠፈ ክምስረት ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ`ታ ሃገር ጸዊዑ- እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ድሕሪ`ቲ 172 ሰባት ዝቐተለን ኣሸሓት ዘቑሰለን ኣብ በይሩት ዘጋጠመ ግዙፍ ፍንጀራ፡ ኣድማ ተወሊዑ- መንግስቲ ድማ ናይ ክልተ ሰሙናት ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ብምእዋጁ`ዩ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚስንተር ሊባኖስ ሓሰን ዲያብ ፥ ካብ መዝነት ምውራዱ ዝሓለፈ ሰኑይ ምፍላጡ ይዝከር ።
ኣብታ ሃገር ዓቢይ ብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን ኣሎ ብዝብል ጎንጻዊ ኣድማ ዘልዓሉ ተቓወምቲ ምስ ዘንብዕ ትኪ ዝትኩሱ ሓይልታት ጸጥታ ተጋጭዮም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቆሲሎም`ዮም።
ነታ ከተማ ዳግም ንምህናጽ ቢልዮናት ዶላራት ከም ዝሓትት ይግለጽ ኣሎ።