ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምስታፍ 2 ሚልዮን ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ


ዋና ከተማ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝኾነት ከተማ ሃዋሳ ንቡር ሰላማ ይምለስ ከምዘሎ ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ጥራቱ በየነ ገሊፆም።

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብዘይ ፀገም ክዛዘም እኹል ምድላው ከምዝተገብረ እውን ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ዝሳተፉ 2 ሚሊዮን ሰባት ከምዝተመዝገቡን እቲ ከይዲ እውን ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ይካየድ ከምዘሎን ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ክልል ደቡብ ፀጥታ ብምህዋኽን ብዝተፈላለዩ ገበናትን ካብ ዝተጠርጠሩ 129 ሰበ ስልጣን መንግስቲ እቶም 117 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ገሊጸን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG