ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ህንጻ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ድሕሪ ዝተፈጥረ ዕግርግር  ተግባር ፖሊስ ንክግምገም ጻውዒት ቀሪቡ 


ስራሕ ንህንጻ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ (ካፒቶል) ዝሕሉ ሓይሊ ፖሊስ ንክምርመር፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጸዊዖም። ብተመሳሳሊ፣ እቲ መአከቢ ኣዳራሽ (ካፒቶል ሂል) ብደገፍቲ ትራምፕ ድሕሪ ምውራሩ፣ ፖሊስ ንዘርአዮ ንጥፈት ተናኢዱ ኣሎ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ "ብርክት ዝበሉ ቪድዮታት ተቀሪጾም ኣለው። ገሊኦም ሻቅሎት ዝፈጥሩ፣ ገሊኦም ድማ ሓርበኛነት ዘንጸባርቁ። እንተኾነ ኣገባብ ሓለዋ እቲ ስፍራ ክሳዕ ክንዲ'ዚ ኣብ ሓጺር ሰዓት ስለምንታይ ከምዝፈረሰ ክንፈልጥ ግቡእና እዩ"ይብሉ።

ትማሊ ድሕሪ ምሳሕ፣ ፖሊስ ካፒቶል ነቶም ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ ዝሰርሑ ሰባት ንክወጹ ኣዚዙ እዮ፣ ከይደንጎየ ኣብ ወጻኢ እቲ መአከቢ ኣዳራሽ፣ ጸገም ጸጥታ ከምዝተፈጠረ ሪፖርት ተገይሩ። ብድሕሪኡ ኣባላት ቤት ምኽሪን ሰራሕተኛታቶምን ኣብ ውሽጢ ንድሕሪት ተዓጽዮም።

እንተኾነ፣ ኩነታት ተቃወምቲ በርቲዑ ስለዝነበረ፣ ኣባላት ሴነትን ቤት ምኽሪን ንምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ ሓዊሱ ካብ’ቲ ህንጻ ንክወጹ ተገይሩ።

ብድሕሪኡ እቶም ተቃወምቲ ናብ’ቲ ኣዳራሽ ኣትዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ናንሲ ፐሎሲ’ውን ብምእታው መጠነኛ ጉድኣት ኣውሪዶም።

እቲ ህውከት ምሸት ሰዓት 12:00 ወይ 6:00 አብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትዩ። ሓንቲ ጓለንስተይቲ ብጥይት ተቀቲላ። ሰለስተ ካልኦት ድማ ቆሲሎም። በዝሖም ዘይተፈለጠ ሰባት፣ ብዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዝሞቱን 52 ሰባት ከምዝተኣሰሩን’ውን እቲ ሪፖርት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG