ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እስራኤል ዓቃባውያን ንኽዕወቱ ይእመት


ፋይል- ምርጫ እስራኤል
ፋይል- ምርጫ እስራኤል

ን 1 ሕዳር 2022 ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ እስራኤል፡ ዓቃባውያን ሰልፍታት ዝለዓለ ድጋፍ ይረኽቡ ምህላዎም በበይኑ ዳህሳሳት እታ ሃገር የርኢ። ከም ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ፡ ምዕዋት ናይዞም ዓቃባውያን ሰልፍታት ንመሪሕነት ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ናብ ስልጣን ክምለስ ይኽእል’ዩ።

ብኣመና ዓቃባዊ ፖለቲከኛ ኢልታማር በን-ገቪር እትምራሕ “ሓይሊ ንኣይሁዳውያን” እተሰምየት ሰልፊ፡ ምስ ካልኦት ሰለስተ ዓቃባውያን ሰልፍታት ብምጽንባር ልፍንታዊ ሰልፊ መስሪቶም ዓቢ ተቐባልነት ይረኸቡ'ለዉ። እዛ “Religious Zionism” (ሃይማኖት ጽዮንነት) ተሰምያ ዘላ ልፍንታዊት ሰልፊ ኣብታ ሃገር ብዝረኸበቶ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ። ነዛ ልፍንታዊት ሰልፊ ዝመርሕ ዘሎ ኢልታማር በን-ገቪር፡ ሰልፎም ምስ እትዕወት ንበንያሚን ናታንያሁ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ሓሊኖም ምህላዎም ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG