ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃይቲ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 12ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሃይቲ ብቐዳም ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 12 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 180 ምቁሳሎም ተገሊጹ።

እቲ ብቐዳም ዘጋጠመ 5.9 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ትሑት አታዊ ዘለዎም ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ዘጋጠመ ኮይኑ: ፕረዚደንት ጆቭል ሞይዝን ምክትል ፕረዚደንት ዥን ሄንሪ ኣብቲ ሓደጋ ዝበጽሓሉ ቦታ በጺሖም።

ኣብ 2010 ኣብ ሃይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 200,000 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 1 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG