ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃዋሳ፣ወላይታን ወልቅጤን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ገሊፆም


ከተማ ሃዋሳ ዝተኸብረ በዓል ፊቼ ጨምበለላ ዝተላዕላ ግጭት
ከተማ ሃዋሳ ዝተኸብረ በዓል ፊቼ ጨምበለላ ዝተላዕላ ግጭት

ኣብ ደቡብ ክልል ሃዋሳ፣ወላይታን ወልቅጤን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ናይቲ ክልል መንግስቲ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይሰራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተኸብረ በዓል ፊቼ ጨምበለላ ስዒቡ መናእሰይ ዓሌት ፈሊዮም ከምዝተጋጨዩ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ይገልፁ።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘዘራረብናያ ነባሪት ከምዚ ክትብል ትገልፆ።

“ኣብ ጥቓይ ዝነብሩ ንኣብነት ከብቲ ኣለዎም።ንከብቶም ገኒሖም ወሲዶምዎም።ቀፂሎም ናይ ወለድና መሬት እዩ፣ናይ ሲዳማ መሬት እዩ ውጹልና፤ወላይታ ናብ ሃገሩ ይመለስ ይብሉ።ከምዚ እናበሉ እዮም ዘሳቑይና ዘለው።ሰብኡት ይገጥሙዎም ኣለው።ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ግን ከመይ ገይርና?ጠጠው ኢልና ንርኢ ኣለና።ኣውያት እዩ፤ኣዴታትና ይበኽያ ኣለዋ፤ዘረፋ እዩ።ንነሕድሕድና ንጨፋጨፍ ኣለና። “

ሎማ ‘ውን ካብ ሃዋሳ ሓሊፉ ናብ ወላይታ ብምግፋሕ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።ኣብታ ከተማ ወኪል ተቓዋሚ ሰማያዊ ፓርቲ ምዃኖም ዝገለፁ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ ይብሉ።

“ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ።እቲ መንእሰይ ኩሉ ወጺኡ ክብሃል ይኽእል።ናብ ዩኒቨርስቲ ኮይዶም ዝተወሰነ ኣቃፂሎም፤ናብ ኮሌጅ ሕርሻ እውን ከይዶም ብዙሕ ነገር እዩ ተፈፂሙ።ሕብረት ባንኪ ኦሮሚያ እውን ተቓፂሉ።ናይ ውልቀ ሰብ ንብረት እውን ዓኒዩ’ሎ።ሕዚ እውን ኣይዝሓለን።ፍሉይ ሓይሊ ገና እናተወ እዩ ዝርከብ።”

ካብ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ናይቲ ክልል ኣማሓዳሪ ኣቶ ደሴ ዳልኬ ንናይቲ ክልል ቴሌቪዥን ኣብዝሃብዎ መግለፂ ግን ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ከባቢያዊ ዶብን ካልኦት ምኽንያታት ብምልዓል ንዘመናት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ምጥርጣራት ዝፈጥሩን ግጭት ዘለዓዕሉን ውዲታት ይርኣዩ ኣለው ዝበለ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኩነታት ሓደገኛ ብምኳኑ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ሰላም ክሕሉ ምዒዱ’ሎ።ንዝበጽሐ ጉድኣት እውን ሓዘኑ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG