ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሀይቲ ሕማም ኮሌራ ይውስኽ ምህላው ሕ/ሃ ገሊጹ


ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሀይቲ ሕማም ኮሎራ ምስፍሑ ገሊፁ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝቐረበ 145 ሚሊዮን ዶላር ምሕፅንታ ሓገዝ 16% ጥራሕ ከምዝተረኸበ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሀይቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራትን ኣዋሃሃዲት ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣልሪካ ሪቻርድሰን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ "ንሪኦ ዘለና ምውሳኽ ብዝሒ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቶም ዞባታት ይበዝሕ ምህላው እዩ’’ኢላ።

ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ዛጊት በቲ ሕማም 283 ሰባት ምሟቶምን 12,000 ሰባት ሆስፒታል ምእታዎምን ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ለበዳ ካብ ዝልዓል 155,000 ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።እቲ ለበዳ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ 80%ወሲኹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG