ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብያተ-ቡን ኣመሪካ መተካእታ ቤተ-ጸሎት ክዀኑ ይኽእሉ’ዶ?


እቶም ማእከላት መራኸቢታት ንማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዘተ ዝነበሩ፡ ኣብያተ-ክርስትያን ኣመሪካ ቍጽሮም ኣዝዩ ይንኪ ኣሎ። ኣብያተ-ክርስትያን ኣመሪካ ተራኦም ኣብ ማሕበራዊ ለውጢ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። ሕጂ ግን ኣብዞም ኣብያተ-ክርስትያን ዝመላለሰ ዜጋ ቍጽሩ እናወሓደ ይመጽእ ኣሎ። እዞም ኣብያተ-ጸሎት ጥቕሞም ከም ሃይማኖታዊ ማእከል ጥራይ ዘይኰኑስ እንኮላይ መራኸቢ ሕብረተሰብ ስለ ዝነበሩ እቲ ዝጻወቱዎ ዝነበሩ ካልኣይ ተራ ምናልባት ብኣብያተ-ቡን ዝትካእ ዘሎ ይመስል።

ካብ ትካል ኣመሪካን ኢንተርፕራይዝ (American Enterprise Institute) ዝዀነ ዳኒኤል ኮክስ፡ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝተጻወትኦ ተራ መዳርግቲ የብሉን። ከም መራኸቢ፡ መበሃሃሊ፡ መተባብዒን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ማእከላት ኰይኖም ሕብረተሰብ ኣብ ምጥማር ዓቢ ተራ ገይሮም’ዮም፡” ይብል።

ከም ኣገላልጻ ኮክስ ኣብያተ-ክርስትያን ኣመሪካ ዝተጻወተኦ ካልእ ወሳኒ ኣበርክቶ ንሓደስቲ ስደተኛታት ናብቲ ሕብረተሰብ ንኽጽንበሩን ክላለዩን ምሕጋዝ’ዩ።

ኣብ 1999 ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ 70% ካብ ኣመሪካውያን ተመላለስቲ ቤተ-ክርስትያን፡ መስጊድ ወይ ምዅራብ (synagogue) ምዃኖም ኣመልኪቶም። ኣብ 2020 ተመሳሳሊ ህዝባዊ ዳህሳስ ምስ ተገብረ ግን እቲ ኣሃዝ ካብ 70% ናብ 47% ጐዲሉ። ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ መሕትት፡ ሓደ ካብ 10 ኣመሪካውያን ጥራይ ሰሙናዊ ናብ ቤተ-እምነት ከም ዝመላለስ ተመልኪቱ።

ብዝሒ ተመላለስቲ ኣብያተ-ክርስትያን፡ መስጊድን ኣብያተ-ምዅራብን ብምጕዳሎም፡ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ ዝግበሩ ዝነበሩ ርክባት ዝፈጥረሉ ካልእ ኣማራጺ ከናዲ ምዃኑ ክኢላ ሕብረተሰብ ዝዀነ ራይ ኦልደንበርግ ይገልጽ። ከም ኣገላልጻ እቲ ክኢላ ሕብረተሰብ፡ እዞም ሳልሳይ ስፍራ ኢሉ ዝጠቕሶም ሃይማኖታዊ ማእከላት፡ ነቲ ቀዳማይን ካልኣይን ስፍራታት ማለት ገዛን ቦታ ስራሕን ዘይገብሩዎ ተራ ይጻወቱ።

ከም ኣዘራርባ ኦልደንበርግ፡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ እቶም ሳልሳይ ስፍራ ዝተባህሉ ኢዮም። ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝተገብረ ሃገራዊ ዳህሳስ ድማ ነቶም ተራኦም ዘንቈልቍል ዘሎ ስፍራታት ብኣብያተ-ክርስትያንን ማሕበረኮማትን ይትክኡ ከም ዘለዉ የመልክቱ። እዞም ዳሕረዎት ቦታታት ድማ ነቲ ሕብረተሰብ እምነት ኣብ ምፍጣር ይሕግዙ ከም ዘለዉ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዝዀነት ዶ/ር ማሪያ ኢስፒኞላ (Maria Espinola) ከም እትገልጾ፡ ሓደ ዓሚል ናብ እንዳ ቡን ኣብ ዝኣተወሉ፡ ብሰራሕተኛታት እቲ ገዛ ክልለን እንታይ ከም ዝእዝዝን ክፍለጥ እንከሎ ጽቡቕ ስምዒትን እምነትን ይፈጥር። እታ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ወሲኻ፡ ሓደ ሰብ ክልለ እንከሎ፡ እንታይ ከም ዝደሊን ምስ መን ከም ዝራኸብን ይፍለጥ ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ምልላይ ድማ እምነት ኣብ ምሕዳርን ርክባት ኣብ ምፍጣርን ወሳኒ ተራ ምዃኑ ትውስኽ። እዞም ሳልሳይ ስፍራ ዝብሃሉ ከም ኣብያተ-ቡን ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣብያተ-ጸሎት ዝግበር ዝነበረ ተራ ይሕዙ ኣለዉ።

ቅድም፡ ኣብያተ-ጸሎት፡ ሳልሳይ ስፍራ ንኣመሪካውያን’ዮም ጸኒሖም። ኣብ 2019 ኣብ ዝተገብረ ሃገራዊ ዳህሳስ ግን 67% ኣመሪካውያን ከም ሳልሳይ ቦታ ኢሎም ዝጠቐሱዎ ንኣብያተ-ቡን፡ ባራትን ኣብያተ-መግቢ’ዩ። ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ግን እቲ መጠን ጎዲሉ’ዩ። ኣብ 2021 ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ ድማ ብሰንኪ ዕጽዋን ካልእ ቀይድታትን ኮቪድ 56% ጥራይ ናብ ህዝባውያን ቦታታት ከም ባራትን ኣብያተ-ቡን ከም ዝመላለሱ ኣመልኪቶም።

ለበዳ ኮቪድ19 ደኣ ነቲ ኣሃዝ ብመጠኑ የጕድሎ እምበር፡ ከም ኣገላልጻ ኮክስ እዞም ቦታታት እዚኣቶም ኮማት ኣብ ምፍጣር ኣዝዩ ዓቢ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ብልጫኦም ድማ ንሰባት ኣብ ምልላይን ድሌት ሓድሕድ ኣብ ምፍላጥን ቀንዲ ማእከላት ብምዃኖም’ዩ።

ካልእ ብልጫ ናይ ኣብያተ-ቡን ምስ ብዝሖም ዝኸይድ’ዩ። ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብያተ-ጸሎት ኣብ ውሱን ቦታን ኣከባቢን ጥራይ ዝርከቡ ዘይምዃኖም ንዅሉ ዜጋ ዓደምቲ ይገብሮም። እቲ ተወሳኺ ብልጫኦም ድማ ምሉእ ሰሙንን ንነዊሕ ሰዓታትን ክፉታት ብምዃኖም’ዩ።

ከም ኣገላልጻ ኮክስ ተኽእሎን ዓቕሚን እዞም ኣብያተ-ቡን ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ማሕበራዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ምርኻብ፡ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥ ዓቢ ኣበርኽቶ ይገብሩ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG