ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ተረኺቦም ክብሉ ሚ/ወ/ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም

ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ 2010 ዝተፈላለየ ዲፕሎማሲያዊን ዓወታት ዝተረኽቦ’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ተረኺቦም ኣለው ብምባል ከም ኣብነት ዝጠቀስዎ ድማ ተስፋ ተቆሪጽዎ ዝነበረ ከይዲ ሰላም ነፍሲ ዘሪኡ ተዓዊቱ’ዩ ክብሉ ኣብሪሆም ኣለው።

“ጉዳይ ኤርትራ ዓለም ዝዘንግዖ ጉዳይ ብብዙሓት ተንተንቲ ኣብ መደርደሪ ዝተቐመጠ ፋይል ተባሂሉ ዝነበረ እቲ ፋይል መዓልቦ ረኺቡ ኣብ 2010 ዓ.ም ምስ ኤርትራ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ኮሚሽን ዶብን ውሳነ መሰረት ክፍታሕ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ምብጽሓን ካብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲኣን ሃገርት ሰጊሩ ንጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር’ውን ንኣፍሪቃ ዘለዎ ኣሰላልፋ ዝልውጥ ዓወት ዲፕሎማሲ ተጌይሩ ክቀርብ ይክእል’ዩ”ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG