ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ 1500 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ምጥሓሎም ተገሊጹ


ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ስኢኖም: እዚ ማለት ድማ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝኻየድ ጉዕዞ እቲ ዝኸፍኣን ሓደገኛን ኮይኑ ነዚ ጉዕዞ ካብ ዝፍጽሙ 29 ሰባት 1 ይመወት ማለት'ዩ ክብል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝበዝሓ ስደተኛታት ዝተቐበለት ሃገር ስጳኛ 21,000 ስደተኛታት ምቅባላ ይገልጽ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ኣስታት 55,000 ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ በጺሖም: እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ብፍርቂ ጎዲሉ'ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብትካላት ግብረ ሰናይ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ዘፍለጠት ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣስታት 18,130 ስደተኛታት ዝተቀበለት ክትኸውን ከላ ዝተረፉ ድማ ግሪክ: ሳይፕረስን ማልታን ዝኣተው እዮም።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ካብ ጀነቫ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ክስትውዓለሉ ዝግባእ ክልተ ነገራት ኣለው። ዋላ'ዃ ቁጽሪ ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት እንተጎደለ እቲ መጠን ሞት ምስቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ክረአ ከሎ ዝለዓለ'ዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝለዓለ መጠን ሞት ዘጋጠመ ካብ 2014 ቀጺሉ ሎሚ ዓመት ምዃኑ ይገልጹ።

ቱኒዝያ: ሬሳ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ናይ ዝሞተ
ቱኒዝያ: ሬሳ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ናይ ዝሞተ

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሎሚ ሓሙስ ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣብ መንጎ ሞሮኮን ስጳኛን ዘሎ ናይ ኤሌትሪክ ሓጹር ሰጊሮም ኣውሮጳ ምብጻሕ ከምዝፈተኑ ይግለጽ ኣሎ።

ቀይሕ መስቀል ኣስታት 592 ስደተኛታት ነቲ ሓጹር ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ 130 ጉድኣት ከምዝበጽሖም 11 ካብኣቶም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሓቢሩ'ሎ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስጳኛ እቶም ስጳኛ ዝኣተው ስደተኛታት ኣብ መዕቆቢ ከምዘለው እቶም ኣብቲ ዶብ ዝተታሕዙ ድማ ናብ ሞሮኮ ዝተመለሱ ከምዘለው ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG