ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣዚዩ ዘሕጉስን ዘነቓቕሕን እዩ” ኣምባ. ማይክል ረይነር


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ክኾኑ እዮም ተባሂሎም ዘይግመቱ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ይተኣናገዱ ኣለው ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ “ናትና ኢትዮጵያ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝተዳለወ ውድድር ቪዲዮ ትማሊ ኣብ ብሄራዊ ትያትር ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ ስነስርዓት ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ኣብ ዝሰምዕዎ መደረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ዘሕጉስ እዩ ኢሎም።እቲ ኤምባሲ ውድድር ቪዲዮ ክጋብዝ ከሎ መንነትን እንታይነትን ኢትዮጵያ ክነግሩና ንምትብባዕ ነይሩ ኢሎም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣዚዩ ዘሕጉስን ዘነቓቕሕን እዩ።ዘሎ ብሩህ ተስፋ ክንርእይ ከለና፣ቀንዲ መሪሕ ቃል ናይቲ ቪዲዮ ክንሓስብ ከለና፣ዝምህሩና ሓድነትትን ምክእኣልን ክንሪኢ ከለና ኣድላይነቶም ዓዚዙ ይርኣየና።እዞም ቪዲዮታት ንሰላማውን ሃናጺን ፅምዶ ዘተባብዑ እዮም።እዛ ሃገር ሓድነታ ሓፍ ኣብ ምባል ክሕግዝ ተስፋ ንገብር።”

ዴሞክራሲ ማለት መሰልን ነፃነት ጥራሕ ማለት ከይኮነስ ናይ ሓባር ሓላፍነት እውን ዝሓውስ እዩ ኢሎም።

“ብቀዳማይ ሚንስተር ዝድፍአሎም ንዘለው ስጉምታት ዘደንቑን ዘተባብዑን ናይ ለውጢ ሓሳባት ቅርፂ ንምትሓዝን በብደረጅኡ ተግባራዊ ንክኾኑን ግዜ ክወስዱ እዮም።ግን ነቲ ከይዲ ምሕጋዝ ትኽእሉ ኢኹም።እዚኣ ናትኩም ኢትዮጵያ እያ።ሓላፍነት ምውሳን እትጉዓዘሉ ኣንፈት እውን ናትኩም እዩ።እዋኑ ባህጊ ዴሞክራሲ ባህጊ ናብ ግብሪ ዝቕየረሉ እዋን እዩ።እዚ ናይ ሕድ ሕድኩም ሓላፍነት እዩ።”

ኣምባሳደር ረይነር ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ ንዝበሉዎ ለውጢ ከም እትድግፍን ንምሕጋዝ ድልየት ከምዘለዋን ገሊፆም።

“ንሕና ክንሪኦ ከለና መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ምሕዝነትን ብሩህ እዩ።ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንመፃኢ ዕድል ሃገሮም ዝሓስቡ እንተኾይኖም ነዚ እውን ድልዋት እንተድኣ ኮይኖም እዚ ውድድር ኣብዚ ዝተወሰነ ሓገዝ እንተድኣ ገይሮም ነዛ እትድነቕ ሃገርን ህዝባን ኩላትና እንምነዮ ብሩህ ተስፋ ከምዝዕወት ርግፀኛ እየ።”

ኣብቲ ስነስርዓት ናይ ኢትዮጵያ ባህልን ቱሪዝምን ሚንስትር ወ/ሮ ፎዚያ ኣሚን ተረኺበን ኣለዋ።

ኣብቲ ውድድር ቪዲዮ ካብ ምሉእ እትዮጵያ ዝመፁ 189 ሰብ ሞያ ፊልም ምስታፎም ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።ሰለስተ’ውን ተዓዊቶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG