ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ደሞክራቲክ ፓርቲ ኢልሃን ዑማር ካብ ኮሜቴ ጉዳያት ወጻኢ ተባሪራ


ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝዕብልሉ ዘለዉ ሪፓብሊካን፡ ንሶማልያዊት ኣመሪካዊት ኣባል ደሞክራቲክ ፓርቲ ኢልሃን ዑማር ካብ ኮሜቴ ጉዳያት ወጻኢ ብድምጺ ኣባሪሮማ።

ምኽንያት መባረሪኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ እስራኤልን ኣብ ዋሺንግተን ዘለዋ ጽልዋን ዝሃበቶ ርእይቶ ምዃኑ ይግለጽ። ነቲ እማመ ናብ ድምጺ ዘቕረበ ሪፓብሊካን ኣባል ባይቶ ካብ ክፍለ-ግዝኣታ ኦሃዮ ዝተወከለ ማክስ ሚለር እዩ።

ኮንግረስዉማን ኢልሃን ዑማር ድሕሪ ምብራራ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ “ኣፈይ ክዕበስ ናብ ኮንግረስ ኣይመጻእኩን፡ ድምጺ ግዳያት ክኸውን`የ መጽየ፡ ካብዚ ኮሚቴ ስለዝወጻእኩ መሪሕነተይ ዝደክም ከይመስለኩም፡ ኣለኹ፡ ድምጺ`ቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዝተጎድኡ ምዃነይ ክቕጽል`የ “ ኢላ።

ኢልሃን ዑማር ኣብቲ ንኣፍሪቃ ዝጥምት ንኡስ-ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ላዕለወይቲ ወኪል ሰልፊ ደሞክራሲያውያን`ያ ኔራ። ንሳ ብዛዕባ እስራኤል ዝበለቶ ኣሉታዊ ርእይቶ`ውን ይቕረታ ሓቲታትሉ`ያ።

XS
SM
MD
LG