ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዶ/ር ኣድሃና ሃይለ ዓሪፎም


ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ስድርኦም ኣፍሊጦም።ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃን የገልግሉ ከምዝነበሩን ኣባላት ህወሓት ካብቲ ቤት ምኽሪ ቅድሚ ምውፅኦም ኣብ ናይ ሕማም ፍቓድ ከምዝነበሩ ወዶም ኣቶ ብሩክ ኣድሃና ገሊፁ።

ቅድም ክብል ምክትል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፣ቅድሚኡ ድማ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም።ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርነት ንነዊሕ ዓመታት ምግልጋሎም ውን ይፍለጥ ።

ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣብ ደቡባዊ ክልል ትግራይ፣ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፍሉይ ሽሙ ጋራርሳ ኣብ 1943 ዓ\ም እዩ ተወሊዱ።ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት በዓል ሓዳርን እዮም።

XS
SM
MD
LG