ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ፡ ምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ኣጋዋ ክናዋሕ ሓቲታ


ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ፡ ምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ኣጋዋ ክናዋሕ ሓቲታ።

ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ፡ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2 ምምሕዳር ባይደን ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ተሳትፎ ኢትዮጵያ አብ “ስምምዕ ንዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ (ኣጋዋ) ከምዝኽልኽል ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ክልከላ ቁጠባዊ ሳዕቤን ክህልዎ`ዩ ብምባል እቲ እገዳ ክጸንሕ ሓቲታ`ላ።

ንሳ ኣብቲ ትማሊ​ ዘውፀአቶ መግለፂ፡ ምኽልካል ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጋዋ፡ ነቲ ብህዝቢ ኢትዮጵያን አመሪካውያን ሰብ ሃብትን ዝተረኽበ ቁጠባዊ ምዕባለ ንድሕሪት ዝዓጽፍ`ዩ ብምባል ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓዊሱ ኣብቲ ህዝቢ ዝያዳ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ማህሰይቱ ዝኸበደ ክገብሮ`ዩ ኢላ ። ብምኳኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ተፃባእቲ ኣካላት እዚ ጎንፂ ዝቋረፀሉ መንገዲ ብምንዳይ ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝባፀሐሉን ሰላም ንኽዓስል ዘተታት ክካየዱ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ንኽመፁን ምምሕዳር ባይደን ግዜ ክህቦም ይሓትት ኢላ ። ኮንግረስዉማን ካረን ባስ እንተዘይ ኮይኑ ግን እቲ ኣብ 1 ጥሪ 2022 ክቋረጽ ተሓሲቡ ዘሎ ተሳትፎ ኢትዮጵያ አብ ኣጋዋ ፡ ሳዕቤኑ ኣብቲ ህዝቢ ዝዓልብ`ዩ ክኸውን ኢላ ።

XS
SM
MD
LG