ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ሚች መኮነል ወዲቖም ሆስፒታል ምእታዎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

መራሒ ውሑዳን ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ሚች መኮነል ኣብ ሓደ ሆቴል ዋሽንግተን ዲሲ ድሕሪ ምውዳቆም ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ ወሃቢ ቃሎም አፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል መኮነል ዳግ ኣንድሬስ ከም ዝበልዎ 81-ዓመት ዝዕድሚኦም መኮነል ትማሊ ረቡዕ ምሽት ኣብ ናይ ውልቂ እንግዶት ድራር ተሓንኩሎም ድሕሪ ምውዳቆም ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም’ሎ ኢሎም።

መኮነል ዝወረዶም ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ኾነ ክሳብ መዓስ ኣብ ሆስፒታል ከምዝፀንሑን ግን ዝተዋህበ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

XS
SM
MD
LG