ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብዋሕስ ተፈቲሖም


ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ሓላፊ ርክባት ወጻኢን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ
ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ሓላፊ ርክባት ወጻኢን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ሓላፊ ርክባት ወጻኢን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ሎሚ ሰሉስ ብዋሕስ ተፈቲሖም።

ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ ኣቶ ተስፋአለም በርሀ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብዋሕስ ንክፍታሕ ዝወሰነ ዝሓለፈ ዓርቢ ምዃኑ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም።

ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ብ16 መስከረም 2015 ዝነበረ መጋባእያ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብ10 ሽሕ ቅርሺ ዋሕስ ክፍታሕ እኳ ወሲኑ እንተነበረ፣ ፌደራል ፖሊስ ይግባይ ብምሕታቱ ጉዳዮ ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክረኣ ፀኒሑ እዩ።

ጠቅላሊ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ ንውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብምፅዳቕ ኣቶ ሃይሉ ብዋሕስ ንክፍታሕ ዝሓለፈ ዓርቢ ወሲኑ።

XS
SM
MD
LG