ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሀይሉ ከበደ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሀይሉ ከበደ
ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሀይሉ ከበደ

ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሀይሉ ከበደ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ፣ ምስቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣሸባሪ’ ዝብሎ ህወሓት፣ ሚስጥራዊ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም፣ብገበን ተጠርጢሮም ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ፖሊስ፣ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ምፅራይ ንምግባር 14 መዓልቲ ንክወሃቦ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ኣሎ። ፖሊስ ንዝሓተቶ ተወሳኺ ናይ ክልተ ሰሙን ጊዜ ጠበቓ ኣቶ ሃይሉ ተቓዊሞምዎ። እንተኾነ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ ጊዜ ተቀቢሉ፣ ን 5 መስከረም 2014 ዓ.ም ቆጸራ ሂቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG