መቐለ —
ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ዕጡቓት ምልሻን ትማሊ ወታደራዊ ምርኢት ኣካይዶም::
ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ: ትግራይ ብሓይሊ ንምብርካኽ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘይዕወት ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም::
ብኻልእ ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ።
መንቀሊ እቲ ሓደጋ ባርዕ ይፃረይ ዘሎ ኮይኑ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ናይ 520 ነጋዶ ንብረት ዓንዩ ተባሂሉ።