ኣባላት ጉጅለ ሕክምና ክልል ትግራይ ኣብ ጌድኦ ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ሕክምናዊ ሓገዝ ክህቡ ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መቐለ ተመሊሶም።
ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 15 ዶክተራትን 10 ነርስን ብድምር 25 ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብ ጌድኦ ወፊሮም ምጽንሖም ይሕብሩ።
እቶም ሰብሞያ ሕክምና ሕልናዊ ዕግበት ንምርካብ ብሰናይ ፍቃዶም ሰናይ ስራሕ ኣበርኪቶም ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ብዛዕባ ፃንሒቶም ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ንክልተ ሰብ ሞያ ኣዘራሪብና ኣለና።
ዶክተር በሪሁ ካሕሳይ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ጠቅላላ ሓኪምን ዶክተር ነብያት ተክለብርሃን ኣብ ሓዱሽ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ሓቂ ጠቅላላ ሓኪምን እዮም።
ዶክተር በሪሁ ካሕሳይ ጉዳይ ጌድኦ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ንከታተሎ እኳ እንተነበርና ካብ ዝተፀበናዮ ንላዕሊ እዩ ፀኒሑና። ብዙሕ ህዝቢ ብተመሓላለፍቲ ሕማማትን ብስእነት መግብን እናተሳቀየ እዩ ፀኒሑና ይብሉ።
ዶክተር ነብያት ብወገና "እቲ ኩነታት እንትርኢ ከመይ ኢና ኮይና? ህዝቢ ብሓዉ ከመይ ይጭክን? እቲ ኢትዮጵያውነት ናበይ ከይዱ?" ኢለ ትብል።