ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ዝዀኑ ተወላዶ ትግራይ ንሃገሮም ምምላስ ይኣብዩ


መኪና ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን
መኪና ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን

ኣቢየ ኣብ ዝተባህለ ኣከራኻሪ ስፍራ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝዳለዉሉ፡ ተወላዶ ትግራይ ድሕነቶም ብምስጋእ ክጸንሑ ከም ዝመረጹ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሰይትድ ፕረስ ንኽልተ ካብቶም ወተሃደራት ብምውካስ ጸብጺቡ። ንሳቶም ወሲኾም፡ ሕቡራት ሃገራት ግቡእ ምትሕብባር የርኢ ከም ዘየሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብቲ ተልእኾ ዘለዉ ወተሃደራት’ውን ብተመሳሳሊ ክምለሱ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ኣብ ውሑስ ቦታ ኰይኖም ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ዝተዛረቡ ወተሃደራት፡ ንተወላዶ ትግራይ ዘላቶም እንኮ ምርጫ ንኽምለሱ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑን ምስቃል ብምሕሳምን ምዃኑ የመልክቱ።

እቲ ዜና ከም ዝውስኾ፡ እቶም ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን “ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ደው ይበል” ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።

ብላዕለዎት ሰብ-መዚ እቲ ተልእኾ፡ እቶም ወተሃደራት ንቦታኦም ምስ ዝምለሱ ውሑሳት ምዃኖም ደኣ ይነገሮም እምበር፡ ንውሕስነቶም ዝቐረበ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን።

ኣሶሰይትድ ፕረስ፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG