ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዶም


ኣባላት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ሓምለ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ኤርትራ አካይዶም።

ጉጅለ ልኡኽ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝመርሑ ፕረዚደንት እቲ ቤተክርስትያን ቀሺ ዮናስ ይገዙ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝገበርዎ ዑደት ኣመልኪቶም ናይ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያ መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያን ካብ ሓደ ጉንዲ ዝተፈጥራ ኣሓት ኣብያተ ክርስትያናት እየን ድሕሪ ምባል: ሚስዮናዊያን ቕድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ናብዚ ዞባ መጺኦም ናይ መጀመርያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ከባቢ ባጽዕ - እምኩሉ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝተኸልሉ እዋን: ካብቶም ዝነበሩ ክልተ ኣገልገልቲ: እቲ ሓደ ኤርትራዊ እቲ ካልኣይ ድማ ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ኦሮሞ ምንባሮም ጠቒሶም።

እምኩሉ ማለት “አደ ኹሉ” ምዃኑ ዝጠቑሱ ፕረዚደንት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ቀሺ ዮናስ ይገዙ: እዚ ታሪኽ እዘን ኣሓት ክልተ ኣብያተ-ክርስትያን ኮይኑ: ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ግን አባላት ክልቲአን ቤተክርስትያናት ክራኸቡ ከምዘይከኣሉን: ሎሚ እዚ ዕድል ምስ ተረኽበ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ቤትክርስትያን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ምክያዱ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ስምኦን ገ/ክርስቶስ’ውን ብዛዕባ’ቲ ምብጻሕ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ መጠይቕ ኣካይዶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG